1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ኣህዛብ ይርዐዱ፣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡ፣ ምድሪ ተንቀጥቅጥ።
2. እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።
3. ቅዱስ እዩ እሞ፣ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ።
4. ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፣ ንስኻ ቕንዕና አጽናዕካ፣ ፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ።
5. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ ቅዱስ እዩ እሞ፣ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ።
6. ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱ፣ ሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፣ ንሱውን መለሰሎም።
7. ብዓንዲ ደበና ተዛረቦም፣ ንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ።
8. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎም፣ ይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፣ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም።
9. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...