1. እግዚኣብሄር ነጊሱኣህዛብ ይርዐዱ፣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጡምድሪ ተንቀጥቅጥ

2. እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ዓብዪ እዩ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ልዑል እዩ።

3. ቅዱስ እዩ እሞ፣ ነቲ ዓብይን ዜፍርህን ስምካ የመስግንዎ

4. ሓይሊ ንጉስ ድማ ፍርዲ ይፈቱ እዩ፣ ንስኻ ቕንዕና አጽናዕካፍርድን ጽድቅን ኣብ ቤት ያእቆብ ገበርካ

5. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ ቅዱስ እዩ እሞ፣ ኣብ ድኳ እግሩ ስገዱ

6. ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማእከል ካህናቱሳሙኤል ከኣ ኣብ ማእከል እቶም ስሙ ዚጽውዑ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፣ ንሱውን መለሰሎም

7. ብዓንዲ ደበና ተዛረቦምንምስክራቱን ነቲ ዝሀቦም ሕግን ሐለዉ

8. እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንስኻ መለስካሎምይቕረ እትብል ኣምላኽ ኰንካዮም፣ ግናኸ ስለ ኽፉእ ግብሮም ሕነ ፈዴኻዮም

9. ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ልዕል አብልዎ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅዱስ ከረኑውን ስገዱ