1. እግዚኣብሄርብንጽህና ተመላሊሰከይተሐንኰሉ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፣ ፍረደለይ

2. እግዚኣብሄርመርምረንን ተዐዘበንን፣ ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ

3. ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፣ ብሓቅኻ እመላለስ አሎኹ።

4. ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፣ ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን

5. ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፣ ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ።

6-7. እግዚኣብሄርነእዳወይ ብንጽህና እሐጽበንድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፣ ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስንመሰውኢኻ እዞሮ አሎኹ።

8. እግዚኣብሄርንቤት ማሕደርካ፣ ነቲ ኽብርኻ ዚነብረሉ ቦታ ኤፍቅሮ እየ።

9-10. ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣንንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም መማለጃ ዝመልኤት ሰብ ደም ኣይትመንጥላ

11. ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስኣድሕነኒ ምሓረኒውን

12. እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ አላ፣ ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።