1. እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽትናፍቕ አላ።

2. ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧

3. ኵሉ ጊዜኣምላኽካ ኣበይ አሎ፧ ኪብሉኒ ኸለዉ፣ ለይትን መዓልትን ንብዓተይ ተቐለብኩ

4. ኣነ ምስ ብዙሓት፣ ምስቶም ብድምጺ እልልታን ምስጋናን በዓል ዜብዕሉ ህዝቢ ኸይደ፣ ናብ ቤት ኣምላኽ እመርሖም ከም ዝነበርኩ፣ እናዘከርኩ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ፈሰሰት

5. ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጒህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ስለ ምድሓን ገጹ ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።

6. ኣምላኸይነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትጕሂ አላ፣ ስለዚ ኸኣ ካብ ምድሪ ዮርዳኖስ፣ ካብ ኣኽራን ሄርሞን፣ ካብ ዝባን ሚሳር እዝክረካ አሎኹ

7. ብደሃይ መንጫዕጫዕታኻ መዓሙቚ ንመዓሙቝ ይጽውዖሸምቦታትካን ማዕበላትካን ዘበለ ብልዕለይ ሐለፈ

8. እግዚኣብሄር ለውሃቱ ብመዓልቲ ይሰድድብለይቲ ድማ መዝሙሩ ምሳይ አሎ፣ ንኣምላኽ ህይወተይውን እልምን

9. ኣነ ንኣምላኽከውሔይ፣ ንምንታይ ኢኻ ዝረሳዕካኒ፧ ንምንታይከ ብሰሪ ጥቕዓት ጸላኢ እናሐዘንኩ ዝኸይድእብሎ አሎኹ።

10. ኵሉ መዓልቲኣምላኽካ ኣበይ አሎ፧ እናበሉ ተጻረርተይ ኣዕጽምተይ ከም ዝቕጥቀጥ ገይሮም ይጸርፉኒ

11. ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።