1. መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳት ኣኽራን እያ፣

2. እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።

3. ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፣ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ። [ሴላ።]

4. ካብተን ዚፈልጣኒረሃብን ባቢሎንን እሰሚ አሎኹ፣ እንሆ፣ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፣ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።

5. ብዛዕባ ጽዮን ድማ፣ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶምኪበሀል እዩ፣ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።

6. እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፣ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፣ ኢሉ ኪቘጽር እዩ። [ሴላ።]

7. እናደረፉን እናሳዕስዑን፣ ኵለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፣ ኪብሉ እዮም።