1. መሰረታ ኣብቶም ቅዱሳት ኣኽራን እያ፣
2. እግዚኣብሄር ካብ ኵሉ ማሕደራት ያእቆብሲ ንደጌታት ጽዮን የፍቅር እዩ።
3. ኣቲ ኸተማ ኣምላኽ፣ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ተዘርበ። [ሴላ።]
4. ካብተን ዚፈልጣኒ፣ ረሃብን ባቢሎንን እሰሚ አሎኹ፣ እንሆ፣ ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኢትዮጵያ፣ እዚኣቶም ኣብኣ ተወሊዶም እዮም።
5. ብዛዕባ ጽዮን ድማ፣ እዝን እትን ኣብኣ ተወሊዶም፣ ኪበሀል እዩ፣ እቲ ልዑልውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ።
6. እግዚኣብሄር ነህዛብ ኪጽሕፎም ከሎ፣ እዚ ኣብኣ ተወሊዱ፣ ኢሉ ኪቘጽር እዩ። [ሴላ።]
7. እናደረፉን እናሳዕስዑን፣ ኵለን ዓይኒ ማያተይ ኣባኻ እየን፣ ኪብሉ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...