1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ግርማ ለቢሱ፣ እግዚኣብሄር ለቢሱ፣ ሓይሊ ተዐጢቑ አሎ፣ ዓለም ከይትናወጽሲ፣ ኣጽኒዕዋ አሎ።
2. ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለአለም ኢኻ።
3. ጐይታየ፣ ወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።
4. ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን።
5. ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፣ ጐይታየ፣ ንቤትካስ ንዘለአለም ቅድስና ይግባእ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...