1. እግዚኣብሄር ነጊሱግርማ ለቢሱ፣ እግዚኣብሄር ለቢሱሓይሊ ተዐጢቑ አሎ፣ ዓለም ከይትናወጽሲኣጽኒዕዋ አሎ።

2. ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣ ንስኻ ኻብ ዘለአለም ኢኻ።

3. ጐይታየወሓይዝ ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ድምጾም ኣልዐሉ፣ ወሓይዝ ህማሞም ኣልዐሉ።

4. ካብ ድምጺ ብዙሕ ማያት፣ ካብ ስልጡን ማዕበላት ባሕሪ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ላዕሊ ይስልጥን

5. ምስክራትካ ኣዝዩ እሙን እዩ፣ ጐይታየንቤትካስ ንዘለአለም ቅድስና ይግባእ።