1. ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል አሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ

2. ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ።

3. ንሱ ንእግርኻ ኣየሰናኽልንሓላዊኻ ኣይታኸስን

4. እንሆ፣ እቲ ንእስራኤል ዚሕሉ ኣይታኸስን ኣይድቅስን እዩ።

5. እግዚኣብሄር ሓላዊኻ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ የማነይቲ ኢድካ ጽላልካ እዩ።

6. ጸሓይ ብመዓልቲወርሒውን ብለይቲ ኣይኪወቕዓካን እዩ።

7. እግዚኣብሄር ካብ እከይ ዘበለ ኺሕልወካንነፍስኻ ኺሕልዋ እዩ።

8. እግዚኣብሄር ካብ ሕጂ ንዘለአለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ።