1. ኣምላኽክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ

2. ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።

3-4. ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስመላሕሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉፍላጻታቶምመሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ።

5. ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑመፈንጠራ ኼጻውዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየናይብሉ አለዉ።

6. እከይ ሐሰቡ፣ ኣዝዮም መርመሩ፣ ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቚ እዩ።

7. ኣምላኽ ይወግኦምድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ

8. ይወድቁ፣ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስዚርእዮም ዘበለ ርእሱ ኺንቕንቕ እዩ።

9. ኵሎም ሰባት ከኣ ኪፈርሁንግብሪ ኣምላኽ ድማ ኬዘንትዉንዕዮኡውን ኬስተብህሉ እዮም።

10. ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ፣ ኣብኡ ኸኣ ኪውከልቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ኪሕበኑ እዮም።