1. ዎ ኣምላኽ፣ ክምህለል ከሎኹ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ንህይወተይ ካብ ፍርሃት ጸላኢ ሐልዋ።
2. ካብ ሕቡእ ምኽሪ ሕሱማት፣ ካብ ህውከት ገበርቲ እከይ ሰውረኒ።
3-4. ካብቶም ኣብ ሕቡእ ቦታ ንንጹህ ኪወግኡስ፣ መላሕሶም ከም ሰይፊ ዚስሕሉ፣ ፍላጻታቶም፣ መሪር ቃላት፣ ዜዝግቡ ሰውረኒ። ብድንገት ይወግኡ አለዉ፣ ኣይፈርሁን ድማ።
5. ኣብ እኩይ ሃቐና ይጸንዑ፣ መፈንጠራ ኼጻውዱስ ይመኽሩ፣ መን ከይርእየና፣ ይብሉ አለዉ።
6. እከይ ሐሰቡ፣ ኣዝዮም መርመሩ፣ ነቲ እተመርመረ ምኽሪ ኸኣ ፈጸሙ። ውሽጢ ነፍሲ ወከፍን ልቡን ዓሚቚ እዩ።
7. ኣምላኽ ይወግኦም፣ ድንገት ብፍላጻ ይቘስሉ።
8. ይወድቁ፣ መላሕሶም ዝበሎ ናብኦም ይምለስ፣ ዚርእዮም ዘበለ ርእሱ ኺንቕንቕ እዩ።
9. ኵሎም ሰባት ከኣ ኪፈርሁ፣ ንግብሪ ኣምላኽ ድማ ኬዘንትዉ፣ ንዕዮኡውን ኬስተብህሉ እዮም።
10. ጻድቕ ብእግዚኣብሄር ኪሕጐስ፣ ኣብኡ ኸኣ ኪውከል፣ ቅኑዓት ልቢ ዘበሉውን ኪሕበኑ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...