1. ኣቱም ደቂ ሰብስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፧

2. ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ

3. ረሲአን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ

4-5. ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።

6. ኣምላኽኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮጐይታየኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ

7. ከም ዚዅዖ ማይ ይከዐዉፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ።

8. ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።

9. ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።

10. ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ።

11. ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ አለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ አሎ፣ ኪብሉ እዮም።