1. ኣቱም ደቂ ሰብ፣ ስቕ ብምባልኩምዶ ጽድቂ ትዛረቡ፧ ሓቂዶኸ ትፈርዱ ኢኹም፧
2. ኣብ ልብኹምስ እባ በደል ደኣ ትብድሉ፣ ግፍዒ ኣእዳውኩም ኣብ ሃገር ትመዝኑ።
3. ረሲአን ካብ ከርሲ ወላዲቶም ጀሚሮም ኣግለሱ፣ ሓሰውቲ ኻብ ማሕጸን ወላዲቶም ጀሚሮም ተጋገዩ።
4-5. ሕንዚ ተመን ዚመስል ሕንዚ አለዎም፣ ከምቲ ድምጺ ኣስማተኛታት፣ ናይቲ ፈላጥ ጠንቋሊ እኳ ኸይሰምዕ ኢሉ ኣእዛኑ ዚዐብስ ጸማም ተመን እዮም።
6. ዎ ኣምላኽ፣ ኣስናኖም ኣብ ኣፎም ሰባብሮ፣ ጐይታየ፣ ኰራርምቲ ሽደናት ኣናብስ መዝሕቕ።
7. ከም ዚዅዖ ማይ ይከዐዉ። ፍላጻታቱ እንተ ገተረን፣ ይጕደማ።
8. ከምቲ ኪኸይድ ከሎ ዚመክኽ ኣረነ፣ ከምቲ ጸሓይ ዘይረአየ ቝላዕ ሰበይቲ ይኹኑ።
9. ቈራርዕኩም ሓዊ ቐሸም ከይቀረቦ፣ ህቦብላ ንጥሉልን ንንዱድን ይመንጥሎ።
10. ጻድቕ ንምፍዳይ ሕነ ርእዩ ኺሕጐስ፣ ኣእጋሩ ብደም ረሲእ ኪሕጸብ እዩ።
11. ሰባት ከኣ፣ ብሓቂ ንጻድቕሲ ፍረ አለዎ፣ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዚፈርድ ኣምላኽ አሎ፣ ኪብሉ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...