1. ኣምላኽልበይን ክብረይን ኣንቂደን አለዋ። ክዝምርን ከመስግንን እየ።

2. በገናን መሰንቆን ንቕሑንወጋሕታ ኸንቅሓ እየ።

3. ጐይታየ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዝምረልካ እየ።

4. ምሕረትካ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ዓብዪሓቅኻውን ክሳዕ ደበናታት እዩ እሞ፣

5. ኣምላኽ፣ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል በልክብርኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ይኹን።

6. ፍትዋትካ ምእንቲ ኺናገፉስብየማነይትኻ ኣድሕነናን ስምዓናን።

7. ኣምላኽ ኣብ መቕደሱ ተዛረበእልል ክብል እየ፣ ንሰኬም ክመቅልንለሰ ሱኮት ክልክዕ እየ።

8. ጊልኣድ ናተይ እዩ፣ ምናሴውን ናተይ እዩ፣ ኤፍሬም መጸግዕ ርእሰይይሁዳውን ዘንጊ ግዝኣተይ እዩ።

9. ሞኣብ ገበራ ምሕጻበይ እዩ። ኣብ ኤዶም ሳእነይ እድርቢ፣ ኣብ ፍልስጥኤም እልል ክብል እየ።

10. ናብታ ዕርድቲ ኸተማ መን ይወስደኒ፧ ናብ ኤዶም መን ኰን ይመርሓኒ

11. ኣምላኽ፣ ንስኻዶ ኣይኰንካን ዝደርቤኻና፧ ንስኻ ኣምላኽ፣ ምስ ሰራዊትናኸ ኣይትወጽእን ዲኻ፧

12. ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፣ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና

13. ብኣምላኽ ንሕይል፣ ንሱውን ንተጻረርትና ኺረግጾም እዩ።