1. እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፣ ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።
2. ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፣ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።
3. ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፣ ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። [ሴላ።]
4. ነቲ ልብኻ ዚምነዮ ይሀብካ፣ ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
5. ብምንጋፍካ እልል ንብል፣ ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፣ ንኹሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።
6. ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዜድሕኖ፣ ሕጂ ፈለጥኩ፣ ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኺመልሰሉ እዩ።
7. ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፣ ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
8. ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፣ ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም።
9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንንጉስ ኣድሕኖ፣ በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...