1. ሃሌሉያ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።

2. ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥንወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።

3. ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፣ ጽድቁውን ንዘለአለም ይነብር

4. ንቕኑዓት፣ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፣ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም

5. ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።

6. ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።

7. ክፉእ ወረ ኣይፈርህንልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።

8. ልቡ ጽኑዕ እዩ፣ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን

9. ዘረወንድኻታት ሀበጽድቁ ንዘለአለም ይነብርቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።

10. ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንንትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።