1. ሃሌሉያ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፣ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ።
2. ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፣ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ።
3. ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፣ ጽድቁውን ንዘለአለም ይነብር።
4. ንቕኑዓት፣ ነቲ መሓርን ርሕሩሕን ጻድቕን፣ ኣብ ጸልማት ብርሃን ይወጸሎም።
5. ዚርሕርሕን ዜለቅሕን ሰብ ብጹእ እዩ። ንሱ ንነገሩ ብፍርዲ ይፍጽሞ።
6. ንዘለአለም ኣይኪናወጽን እዩ እሞ፣ መዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።
7. ክፉእ ወረ ኣይፈርህን፣ ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ።
8. ልቡ ጽኑዕ እዩ፣ ትምኒቱ ኣብ ተጻረርቱ ኽሳዕ ዚርኢ ኣይፈርህን።
9. ዘረወ፣ ንድኻታት ሀበ፣ ጽድቁ ንዘለአለም ይነብር፣ ቀርኑ ብኽብሪ ልዕል ኪብል እዩ።
10. ረሲእ ነዚ ርእዩ ኺሐርቕ፣ ኣስናኑ ኺሕርቅምን ኪማስንን፣ ትምኒት ረሲኣን ኪጠፍእ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...