1. እስራኤል ካብ ግብጺ፣ ቤት ያእቆብ ካብቲ ቛንቋኡ ዘይስማዕ ህዝቢ ምስ ወጸ፣
2. ይሁዳ መቕደሱ፣ እስራኤል ግዝኣቱ ዀነ።
3. ባሕሪ ርእያቶ ሀደመት። ዮርዳኖስ ንድሕሪት ተመልሰ።
4. ኣኽራን ከም ደዓውል፣ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ።
5. ኣቲ ባሕሪ፣ እንታይ ኴንኪ ዝሀደምኪ፧ ኣታ ዮርዳኖስከ፣ ንድሕሪት እተመለስካ፧
6. ኣቱም ኣኽራን፣ ከም ደዓውል፣ ኣቱም ኰረቢትሲ፣ ከም ዕያውቲ እተሰራሰርኩም፣ እንታይ ኴንኩም ኢኹም፧
7-8. ኣቲ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ነኻውሕ ናብ ቀላያት፣ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብ ኣንቀጥቅጢ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...