1. እግዚኣብሄር ነጊሱምድሪ ትተሐጐስ፣ እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም።

2. ደበናን ጸልማትን ይኸብዎጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።

3. ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድንጸላእቱ ኣብ ዙርያኡ የንድዶም

4. መባርቑ ንዓለም አብርሄምድሪ ርእያቶ አንቀጥቀጠት

5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ

6. ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፣ ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ

7. ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኵሎም ይሕፈሩ። ኵሉኹም አማልኽቲ፣ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በሉ።

8-9. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄርጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰትኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።

10. ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎእከይ ጽልኡነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም

11. ብርሃን ንጻድቃንደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ

12. ኣቱም ጻድቃንብእግዚኣብሄር ተሐጐሱንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ