1. እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ምድሪ ትተሐጐስ፣ እቶም ብዙሓት ደሴታት ባህ ይበሎም።
2. ደበናን ጸልማትን ይኸብዎ፣ ጽድቅን ፍርድን መሰረት ዝፋኑ እዩ።
3. ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፣ ንጸላእቱ ኣብ ዙርያኡ የንድዶም።
4. መባርቑ ንዓለም አብርሄ፣ ምድሪ ርእያቶ አንቀጥቀጠት።
5. ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ዅሉ ምድሪ ኸም ስምዒ መኸኹ።
6. ሰማያት ንጽድቁ አውረዩ፣ ኵሎም አህዛብ ድማ ክብሩ ረአዩ።
7. ንምስልታት ዚሰግዱን ብጣኦታት ዚምክሑን ኵሎም ይሕፈሩ። ኵሉኹም አማልኽቲ፣ ኣብ ቅድሚኡ ፍግም በሉ።
8-9. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣማልኽቲ ኣዚኻ ልዑል ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ጽዮን ሰሚዓ ተሐጐሰት፣ ኣዋልድ ይሁዳውን ብዛዕባ ፍርድኻ እልል በላ።
10. ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ፣ እከይ ጽልኡ፣ ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ፣ ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም።
11. ብርሃን ንጻድቃን፣ ደስታ ኸኣ ንቕኑዓት ልቢ ተዘርኤ።
12. ኣቱም ጻድቃን፣ ብእግዚኣብሄር ተሐጐሱ፣ ንቕዱስ ስሙውን አመስግንዎ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...