1. እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽ፣ ንዘለአለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።
2. ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን አሎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።
3. ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስ፣ በትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነበርን እዩ።
4. ጐይታየ፣ ንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።
5. ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...