1. እቶም ብእግዚኣብሄር ዚውከሉ ኸምታ ዘይትናወጽንዘለአለም እትነብር ከረን ጽዮን እዮም።

2. ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ኣኽራን አሎ፣ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለአለም ኣብ ዙርያ ህዝቡ እዩ።

3. ስለዚ ጻድቃን ኣእዳዎም ናብ ዓመጻ ኸይዝርግሑስበትሪ ረሲእነት ኣብ ርስቲ ጻድቃን ኣይነበርን እዩ።

4. ጐይታየንሰናያትን ንቕኑዓት ልብን ሰናይ ግበረሎም።

5. ነቶም ናብ ጥውጥዋይ መገዶም ዜግልሱ ግና እግዚኣብሄር ምስቶም ገበርቲ እከይ ኪሰዶም እዩ። ሰላም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ይኹን።