1. ብሓቂ ኣምላኽ ንእስራኤል፣ ነቶም ንጹህ ልቢ ዘለዎም ሰናይ እዩ።

2. ኣነ ግና ኣእጋረይ ሰንከልከል ንምባል፣ ስጕምተይ ንምንድልሃጽ ቀሪበ ነበርኩ።

3. ራህዋ ረሲአን ምስ ርኤኹንደፋራት ቀናእኩሎም

4. ክሳዕ ሞቶም ስቓይ የብሎምን፣ ስጋኦምውን ስቡሕ እዩ እሞ፣

5. ጸገማ መወትቲ የብሎምን፣ ከም ሰብውን ኣይተሰቀዩን

6. ስለዚ ትዕቢት ከም ስልማት ክሳድ ይኸቦምግፍዒ ኸም ክዳን ይጕልብቦም

7. ኣዒንቶም ካብ ስብሒ ይወጻ፣ ሓሳባት ልቦም ይግንፍል።

8. የላግጹብኽፍኣቶም ግፍዒ ይዛረቡ፣ ካብ ላዕሊ ይዛረቡ አለዉ።

9. ኣፎም ናብ ሰማይ የልዕሉመልሓሶም ከኣ ኣብ ምድሪ ይመላለስ

10. ስለዚ ህዝቡ ናብዚ ይምለስ፣ ካብኦምውን ብዙሕ ማይ ይሰቲ።

11. ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ይፈልጥልዑልከ ፍልጠትዶ አለዎ እዩ፧ ይብሉ አለዉ።

12. እንሆ፣ ረሲኣን እዚኣቶም እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ሀዲኦምሃብቲ ይውስኹ አለዉ።

13-14. ምሉእ መዓልቲ ተሰቅየንግሆ ንግሆውን ተቐጺዔ እየ እሞ፣ እምበአርሲ ንልበይ ብኸንቱ ኣንጺሄኣእዳወይውን ብንጽህና ሐጺበ

15. ከምኦም ክዛረብ እየ፣ ኢለ እንተ ዝኸውንሲ፣ ንወለዶ ውሉድካ ምጠለምኩ ነይረ።

16-17. ነዚ ኸስተውዕል ምስ ሐሰብኩ፣ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝአቱመወዳእታኦምውን ክሳዕ ዘስተብህልሲ፣ ኣዝዩ ይሽግረኒ ነበረ።

18. ብርግጽ ኣብ መንደልሃጺ ስፍራ ደው ተብሎም፣ ናብ ጥፍኣት ተውድቖም

19. ከመይከ ብድንገት ባደሙጸነቱብስምባድውን ተወድኡ

20. ከም ሕልሚ ድሕሪ ምንቃሕ፣ ንስኻ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስ ነቓሕካንምስሎም ከምኡ ኽትንዕቖ ኢኻ።

21. ልበይ ምስ መረረ፣ ኣብ ኰላሊተይ ምስ ተወጋእኩ

22. ዐሾኹደንቈሮውን ነበርኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እንስሳ ዀንኩ።

23. ግናኸ ኣነ ዅሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣ ንስኻ ብየማነይቲ ኢደይ ሒዝካኒ

24. ብምኽርኻ ኽትመርሓኒድሓርውን ናብ ክብሪ ኽትቅበለኒ ኢኻ።

25. ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን አሎኒ፧ ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣ ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።

26. ስጋይን ልበይን እንተ ማህመነ እኳ፣ ኣምላኽ ንዘለአለም ከውሒ ልበይን ክፍለይን እዩ።

27. እንሆ፣ ካባኻ ዚርሕቁ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፣ ካባኻ ብምንዝርና ዚዐልዉ ዘበሉ ተጽንቶም።

28. ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ፣ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱስእሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ