1. እግዚኣብሄርብዅራኻ ኣይትገስጸኒብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ

2. ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ አላ።

3-4. በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ።

5. ብሰሪ ዕሽነተይኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን አሎ።

6. ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ።

7. ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ የብሉን።

8. ኣነ ሰንሰንኩእምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ።

9. ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን

10. ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።

11. ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ አለዉ።

12. ንነፍሰይ ዚደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ አለዉ።

13. ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕንኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ።

14. እወ፣ ከም ዘይሰምዕብአፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብአይ ኰንኩ።

15. እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፣ ጐይታይኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ።

16. እግረይ እንተ ኣንደልሀጸከይዕበዩለይ እሞ፣ ብአይ ከይሕጐሱበልኩ

17. ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

18. በደለይ እናዘዝ አሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ አሎኹ።

19. ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም፣ ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም።

20. ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ አለዉ።

21. ጐይታይኣይትሕደገኒኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ

22. ጐይታይምድሓነይንምርዳኤይ ቀልጥፍ