1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፣ ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ።
2. ፍላጻታትካ ወጊኤናኒ እየን እሞ፣ ኢድካ ኸቢዳትኒ አላ።
3-4. በደለይ ንርእሰይ ተዐዛዚርዎ፣ ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ አሎ እሞ፣ ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፣ ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ አሎ።
5. ብሰሪ ዕሽነተይ፣ ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን አሎ።
6. ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፣ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ።
7. ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፣ ስጋይሲ ጥዑይ የብሉን።
8. ኣነ ሰንሰንኩ፣ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፣ ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር አሎኹ።
9. ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን።
10. ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፣ ሓይለይ ይጠልመኒ አሎ፣ ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።
11. ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፣ ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ አለዉ።
12. ንነፍሰይ ዚደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይ፣ ጕድኣተይ ዚደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፣ ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሐስቡለይ አለዉ።
13. ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፣ ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ።
14. እወ፣ ከም ዘይሰምዕ፣ ብአፉውን ምላሽ ዜብሉ ሰብአይ ኰንኩ።
15. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብኣኻ ተስፋ እገብር አሎኹ እሞ፣ ጐይታይ፣ ኣምላኸየ፣ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ።
16. እግረይ እንተ ኣንደልሀጸ፣ ከይዕበዩለይ እሞ፣ ብአይ ከይሕጐሱ፣ በልኩ።
17. ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፣ ስቓየይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
18. በደለይ እናዘዝ አሎኹ እሞ፣ ብሓጢኣተይ እጕሂ አሎኹ።
19. ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም፣ ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም።
20. ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ አለዉ።
21. ጐይታይ፣ ኣይትሕደገኒ፣ ኣምላኸይ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ።
22. ጐይታይ፣ ምድሓነይ፣ ንምርዳኤይ ቀልጥፍ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...