1. እግዚኣብሄርንዳዊት ኵሉ መከራኡ ዘክረሉ

2-5. ንሱ ንእግዚኣብሄር ከም ዝመሐለቦታ እግዚኣብሄርመሕደሪ ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ክሳዕ ዚረክብሲ፣ ብሓቂ ናብ ድንኳን ቤተይ ኣይኣቱን፣ ኣብ መንጸፍ ዓራተይ ኣይድይብንነዒንተይ ድቃስ፣ ንዀበሮ ዓይነውን ሰለምታ ኣይህብን፣ ኢሉ። ነቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ከም እተመባጽዔ፣ ዘክረሉ።

6. እንሆ፣ ብዛዕባኣ ኣብ ኤፍራታ ሰማዕና፣ ኣብ መሮር ያዓር ረኸብናያ

7. ናብ ማሕደሩ ንእቶ፣ ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ

8. እግዚኣብሄር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።

9. ካህናትካ ጽድቂ ይልበሱቅዱሳንካ ድማ እልል ይበሉ።

10. ምእንቲ ዳዊት ባርያኻ ኢልካ ገጽ ቅቡእካ ኣይትምለስ

11-12. እግዚኣብሄር ንዳዊት፣ ካብ ፍረ ኸርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከቐምጥ እየ፣ ውሉድካ ኺዳነይን ነቲ ዝምህሮም ምስክረይን እንተ ሐለዉውሉዶም ድማ ኣብ ዝፋንካ ንሓዋሩ ኺቕመጡ እዮም፣ ኢሉ ብሓቂ መሐለሉ፣ ካብኡ ኣይኪርሕቕን እዩ።

13. እግዚኣብሄር ንጽዮን ሐርይዋ እዩ እሞ፣ መሕደሪኡ ኽትከውን በሀጋ

14. እዚኣ ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፣ ብሂገያ እየ እሞ፣ ኣብዚኣ ኽነብር እየ።

15. ንሲሳያ ኣጸቢቐ ኽባርኾንድኻታታ እንጌራ ኸጽግቦም እየ።

16. ንኻህናታ ምድሓን ከልብሶም እየ፣ ቅዱሳና ኸኣ ብሓጐስ እልል ኪብሉ እዮም።

17. ኣብኣ ቐርኒ ዳዊት ከብቍል እየ፣ ንቕቡኤይ መብራህቲ ኣዳሎኹ

18. ንጸላእቱ ነውሪ ኸልብሶም እየ፣ ኣብ ልዕሊኡ ግና ዘውዲ ኼንጸባርቕ እዩ።