1. እግዚኣብሄርልበይ ኣይተዐበየን፣ ኣዒንተይ ከኣ ልዕል ኣይበላን፣ ኣብ ዓብይን ዘየስተውዕሎን ነገር ኣይመላለስን

2. ንነፍሰይ ኣህዳእክዋስቕ ኣበልክዋ፣ ከም ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡነፍሰይ ከምቲ ጡብ ዝሐደገ ሕጻን ኣባይ ከምኡ እያ።

3. ኣታ እስራኤል፣ ካብ ሕጂ ንዘለአለም ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።