1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ካብ ዓሚቚ ናባኻ ኣእዌኹ።
2. ጐይታየ፣ ድምጸይ ስማዕ፣ ኣእዛንካ ናብ ድምጺ ምህለላይ የቕልባ።
3. ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ፣ ጐይታየ፣ መን ደው ኪብል እዩ፧
4. ግናኸ ምእንቲ ኺፈርሁኻ፣ ይቕሬታ ምሳኻ አሎ።
5. ንእግዚኣብሄር እጽበ፣ ነፍሰይ ትጽበ አላ፣ ብቓሉውን ተስፋ እገብር አሎኹ።
6. ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሐለውቲ፣ እወ፣ ሓለፋ እቶም ወጋሕታ ዚጽበዩ ሓለውቲ ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ አላ።
7. ሳህሊ ኣብ እግዚኣብሄር፣ ብዙሕ ምድሓን ከኣ ኣብኡ እዩ እሞ፣ ዎ እስራኤል፣ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ።
8. ንሱውን ንእስራኤል ካብ ኵሉ ኣበሳኡ ኼድሕኖ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...