1. ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።
2. ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ አሎኹ፣ መአዝ ክትመጸኒ ኢኻ፡- ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ አሎኹ።
3. አብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርን፣ ንግብሪ ብልያል እጸልኦ አሎኹ፣ ኣይኪጠብቀንን እዩ።
4. ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕ፣ ንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።
5. ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።
6. ምሳይ ኪነብሩስ፣ ኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፣ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።
7. ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርን፣ ሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።
8. ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...