1. ብዛዕባ ጸጋን ፍርድን ክዝምር፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ምስጋና ኽዝምረልካ እየ።

2. ብፍጽምቲ መገዲ እጣበብ አሎኹ፣ መአዝ ክትመጸኒ ኢኻ፡- ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብፍጹም ልበይ እመላለስ አሎኹ።

3. አብ ቅድሚ ዓይነይ ገለ ነውሪ ኣየንብርንንግብሪ ብልያል እጸልኦ አሎኹ፣ ኣይኪጠብቀንን እዩ።

4. ቄናን ልቢ ኻባይ ይርሓቕንኽፉእ ክፈልጦ ኣይደልን።

5. ነቲ ንብጻዩ ብሕቡእ ዚሐሚ ኤጥፍኦ፣ ነቲ ዕቡይ ዓይንን ኵሩዕ ልብን ዘለዎ ኣይዕገሶን እየ።

6. ምሳይ ኪነብሩስኣዒንተይ ኣብቶም ናይ ሃገር እሙናት እየን፣ እቲ ብፍጽምቲ መገዲ ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።

7. ተንኰል ዚገብር ኣብ ውሽጢ ቤተይ ኣይነብርንሓሶት ዚዛረብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣይጸንዕን እዩ።

8. ንዓመጸኛታት ካብ ከተማ እግዚኣብሄር ከጽንትሲ፣ ንዅሎም ረሲኣን ምድሪ ንግሆ ንግሆ ኸጥፍኦም እየ።