1. ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎስሙ ጸውዑግብርታቱ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣውርዩ

2. ዘምሩሉ፣ ኣመስግንዎ፣ ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛረቡ

3. ብቅዱስ ስሙ ኽብሩልቢ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ይተሐጐስ

4. እግዚኣብሄርን ሓይሉን ድለዩአዘውቲርኩም ገጹ ድለዩ

5-6. ኣቱም ዘርኢ ኣብርሃም፣ እቲ ባርያኡ፣ ኣቱም ውሉድ ያእቆብሕሩያቱዝገበሮ መስትንክር ግብርታቱን ተኣምራቱን ፍርዲ ኣፉን ዘክሩ

7. ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፣ ፍርዱ ኣብ ኵሉ ምድሪ እዩ።

8-9. ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳኑንይስሃቅውን ዝመሐለሉ ማሕላ፣ ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝአዘዞ ቓል ንዘለአለም ዘኪሩስ

10-11. ምድሪ ከነአንዕድሎት ርስትኹም ክትከውን፣ ክህበካ እየ፣ ኢሉ ንያእቆብ ከም ሕጊንእስራኤል ከኣ ከም ናይ ዘለአለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ

12. ብቚጽሪ ሒደት፣ አዝዮም ሒደት፣ አብኣውን ስደተኛታት ከለዉ፣

13. ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፣ ካብ መንግስቲውን ናብ ካልእ ህዝቢ ኺሐልፉ ኸለዉስ፣

14-15. ንሱ ሰብ ኪጠቕዖም ኣይሐደገንንቕቡኣተይ ኣይትተንክይዎምነብያተይ ድማ ክፉእ ኣይትግበርዎም፣ ኢሉ ምእንትኦም ንነገስታት ገሰጾም

16. ጥሜት ናብ ሃገር ጸውዔኵሉ ምርኩስ እንጌራ ሰበረ

17. ቀቅድሚኦም ሰብኣይ ለአኸዮሴፍ ከም ባርያ ተሸጠ

18. ነእጋሩ ብመቚሕ ሳቐዩ፣ ነፍሱ ኣብ ሓጺን አተወት

19. ቃሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፣ ቃል እግዚኣብሄር ክሳዕ ዚፍትኖ

20. ንጉስ ልኢኹ ኣፍትሖ፣ እቲ ገዛእ ኣህዛብ ሓራ አውጽኦ።

21-22. ንመሳፍንቱ ኸም ፍቓዱ ኺአስሮምንሽማግሌታቱ ኸኣ ጥበብ ኪምህሮም፣ ጐይታ ቤቱን ኣዛዝ ኵሉ ጥሪቱን ገበሮ

23. እስራኤል ናብ ግብጺ መጸያእቆብውን ኣብ ሃገር ካም ሰፈረ

24. ንህዝቡ ኸኣ ኣዝዩ ኣብዝሖ፡ ካብ ተጻረርቱውን ኣበርትዖ

25. ንህዝቡ ኺጸልእዎንባሮቱ ኺታናዀልዎምሲልቦም ለወጦ

26. ንሙሴ ባርያኡን ንኣሮን ሕሩዩን ለአኸ

27. አብ ማእከሎም ትእምርትታቱ፣ ኣብ ሃገር ካም ድማ ተኣምራት ገበሩ

28. ጸልማት ለአኸአጸልመተ ኸኣ፣ ንቓላቱውን ኣይተጻረርዎን

29. ማያቶም ናብ ደም ለወጠዓሳታቶም ከኣ ቐተለ

30. ናብ ኣባይቲ ነገስታቶም ክሳዕ ዚአትዋ፣ ምድሮም ብቚርዖብ መልኤት

31. ተዛረበ እሞ ጽንጽያታት፣ ኣብ ኵሉ ወሰኖም ከኣ ቃርማ መጹ

32. አብ ክንዲ ዝናምሲ በረድሃልሃልታ ሓዊ ኸኣ ኣብ ሃገሮም ኣውረደ።

33. ወይኖምን በለሶምን ወቕዔኣእዋም ዓዶም ድማ ሰባበረ

34. ተዛረበ እሞ ኣንበጣቊጽሪ ዜብሉ ኹብኩብታ መጸ

35. ንዅሉ ብቋልያ ሃገሮም በልዖንፍረ ምድሮም ከኣ በልዔ

36. ንዅሉ በዅሪ ሃገሮም፣ ንበዅሪ ሓይሎምቀተለ

37. ብወርቅን ብሩርን ኣውጽኦም፣ ኣብ ማእከል ዓሌቱ ኸኣ ድኹም ኣይነበረን።

38. ፍርሃት ወዲቕዎም ነበረ እሞ፣ ግብጺ ብምውጻኦም ተሐጐሰት

39. ደበና ንመኸወልታሓዊ ድማ ብለይቲ ኼብርህዘርግሔ

40. ለመኑ እሞ ብርኒጎታት አምጽኤብእንጌራ ሰማይውን አጽገቦም

41. ከውሒ ኸፈተ እሞ ማያት ፈልፈለውሒዝ ብንቑጽ ቦታ ወሐዘ

42. ነቲ ቅዱስ ቃሉን ንኣብርሃም ባርያኡን ዘኪሩ እዩ እሞ፣

43. ንህዝቡ ብሓጐስ፣ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ብእልልታ ኣውጽኦም

44-45. ትእዛዛቱ ኺገብሩ፣ ሕጉውን ኪሕልዉስሃገር አህዛብ ሀቦምጻማ ኣህዛብውን ወረሱሃሌሉያ