1. እግዚኣብሄርነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ።

2. ኣምላኸይ፣ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ። ኣይተሕፍረኒጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም።

3. ንኣኻ ዚጽበዩ ከቶ ኣይኪሐፍሩን፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጠልሙ ግና ኪሐፍሩ እዮም።

4. እግዚኣብሄርጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ

5. ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፣ ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንንኵሉ መዓልቲ እጽበየካ አሎኹ።

6. እግዚኣብሄርምሕረትካን ሳህልኻን ካብ ዘለአለም እየን እሞ፣ ዘክረን

7. እግዚኣብሄርንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፣ ከም ለውሃትካ፣ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ

8. እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣ ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ።

9. ንትሑታት ብፍርዲ ኺመርሖምንትሑታትውን መገዱ ኼስተምህሮም እዩ።

10. ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዚሕልውስመገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን።

11. እግዚኣብሄርበደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።

12. ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ ሰብ መን እዩ፧ ንእኡ እታ ዚሐርያ መገዲ ኺምህሮ እዩ።

13. ነፍሱ ብደሓን ክትነብርዘርኡውን ንምድሪ ኺወርሳ እዩ።

14. ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዚፈርህዎ እዩ፣ ንሱውን ኪዳኑ ኼፍልጦም እዩ።

15. ነእጋረይ ካብ መርበብ ኬውጽኤን እዩ እሞ፣ ኣዒንተይ ኵሉ ጊዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን።

16. ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፣ ናባይ ቊሊሕ በልደንግጸለይውን

17. ጭንቀት ልበይ ዐዚዙ፣ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ

18. ንመከራይን ጭንቀይን ርአዮ እሞ፣ ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ

19. ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፣ ርአዮምግፍዔኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ አለዉ።

20. ንነፍሰይ ሐልዋ ኣድሕነኒውን፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒ

21. ብኣኻ ተስፋ ገይረ አሎኹ እሞ፣ ንጽህናን ቅንዕናን ይሐልዋኒ

22. ኣምላኽንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ