1. ኣምላኽአህዛብ ናብ ርስትኻ አትዮምንቕድስቲ መቕደስካ ኣርከስዋንየሩሳሌምውን ኵምራ እምኒ ገበርዋ

2. ሬሳ ባሮትካ ንምግቢ ኣዕዋፍ ሰማይስጋ ጻድቃን ንኣራዊት መሮር ሀብዎም

3. ደሞም ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ከም ማይ አፍሰስዎቀባሪውን ኣይነበረን።

4. ንጐረባብትና ነውሮም፣ ነቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኸኣ ንመስሓቒኦምን ንመላገጺኦምን ኰንና።

5. ዎ እግዚኣብሄር፣ አዘውትርካ እትዅሪቅንኣትካ ኸም ሓዊ ዚነድድ ኽሳዕ መኣዝ እዩ፧

6-7. ንያእቆብ በሊዖምዎንማሕደሩውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፣ ቊትዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብ፣ ናብቶም ብስምካ ዘይምህለሉ መንግስትታት ክዐዎ

8. አዚና ተዋሪድና ኢና እሞ፣ በደል ኣቦታትና ኣይትዘክረልናቀልጥፍምሕረትካ ትቃባበለና

9. ኣምላኽ ምድሓንና፣ ምእንቲ ኽብሪ ስምካ ርድኣና፣ ምእንቲ ስምካ ኢልካ ኸኣ ኣናግፈናሓጢኣትናውን ይቕረ በለልና።

10. ስለምንታይከ ኣህዛብ፣ ኣበይ አሎ ኣምላኾምዚብሉ፧ እቲ ምፍዳይ ሕነ ናይቲ ዝፈሰሰ ደም ባሮትካ ኣብ ቅድሜና ኣብ ማእከል አህዛብ ይፈለጥ

11. ምንኣኽ እቶም እሱራት ናብ ቅድሜኻ ይምጻእ፣ ነቶም ንሞት እተመደቡ ብስልጣን ቅልጽምካ ኣድሕኖም።

12. እግዚኣብሄርንጐረባብትና እቲ ዝጸረፉኻ ጸርፊ ሾብዓተ ኢድ ጌርካ፣ ናብ ሕቚፎም ምለሰሎም

13. ንሕና ግና፣ ህዝብኻን ኣባጊዕ መጓሴኻን ዝዀንና፣ ንዘለአለም ከነመስግነካንውሉድ ወለዶ ምስጋናኻ ኸነውሪ ኢና።