1. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፣ ኣታ ኣምላኽ ሕነ፣ ኣንጸባርቕ

2. ኣታ ፈራድ ምድሪተንስእንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም

3. ክሳዕ መአዝ እቶም ረሲኣንጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧

4. ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ አለዉ።

5. እግዚኣብሄርንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎንርስትኻውን የጨንቕዎ አለዉ።

6. ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፣

7. እግዚኣብሄር ኣይርእዮንኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ አለዉ።

8. ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢኣስተውዕሉ፣ ኣቱም ዓያሱ፣ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ

9. እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧

10. ነህዛብ ዚቐጽዕፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧

11. እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።

12-13. እግዚኣብሄርጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።

14. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮንንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።

15. ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፣ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም።

16. አብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስአለይ፧ አብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ

17. እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።

18. ጐይታየእግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩጸጋኻ ደገፈኒ

19. ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ

20. ከም ሕጊ ኢና፣ እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት አለዎ እዩ፧

21. ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ አለዉ።

22. እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፣ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።

23. ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።