1. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕነ፣ ኣታ ኣምላኽ ሕነ፣ ኣንጸባርቕ።
2. ኣታ ፈራድ ምድሪ፣ ተንስእ፣ ንዕቡያት ከም ግብሮም ፍደዮም።
3. ክሳዕ መአዝ እቶም ረሲኣን፣ ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝ ረሲኣን ኪዕወቱ እዮም፧
4. ዘረባ ድርቅና የፈልፍሉ፣ ኵሎም ገበርቲ እከይ ይጀሀሩ አለዉ።
5. ዎ እግዚኣብሄር፣ ንህዝብኻ ይቕጥቅጥዎ፣ ንርስትኻውን የጨንቕዎ አለዉ።
6. ንመበለትን ስደተኛን ይቐትሉ፣ ንዘኽታማት ከኣ ይሐርዱ እዮም እሞ፣
7. እግዚኣብሄር ኣይርእዮን፣ ኣምላኽ ያእቆብ ኣየስተብህሎን እዩ፣ ይብሉ አለዉ።
8. ኣቱም ዳንዴታት ህዝቢ፣ ኣስተውዕሉ፣ ኣቱም ዓያሱ፣ መኣዝ ኢኹም እትልብሙ፧
9. እዝኒ ዝተኸለስ ኣይሰምዕንዶ፧ ዓይኒ ዝፈጠረስ ኣይርእይንዶ እዩ፧
10. ነህዛብ ዚቐጽዕ፣ ፍልጠት ንሰብ ዚምህር ኣይግስጽንዶ እዩ፧
11. እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ።
12-13. ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐድጓድ ንረሲእ ክሳዕ ዚኵዐት፣ እቲ ኻብ መዓልቲ መከራ ኸተህድኦ ኢልካ፣ እትቐጽዖን ብሕግኻ እትምህሮን ሰብ ብጹእ እዩ።
14. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣይኪድርብዮን፣ ንርስቱ ኸኣ ኣይኪሐድጎን እዩ።
15. ፍርዲ ኣብ ጽድቂ ኺምለስ እዩ እሞ፣ ኵሎም ቅኑዓት ልቢ ኺስዕብዎ እዮም።
16. አብቶም ገበርቲ ኽፉእ መን ይትንስአለይ፧ አብቶም ዓመጸኛታትከ መን ይቘመለይ፧
17. እግዚኣብሄር ረዲኤተይ ነይሩ እንተ ዘይከውንሲ፣ ነፍሰይ ኣብ ስቕታ ንምሕዳር ምቐረበት ነይራ።
18. ጐይታየ፣ እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ፣ ጸጋኻ ደገፈኒ።
19. ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ፣ ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።
20. ከም ሕጊ ኢና፣ እናበሉ ዓመጽ ዚገብሩሉ መንበር ጥፍኣትዶ ምሳኻ ሕብረት አለዎ እዩ፧
21. ንነፍሲ ጻድቕ ሐቢሮም ይወድቅዋ፣ ንንጹህ ደም ድማ ይዅንንዎ አለዉ።
22. እግዚኣብሄር ግና በሪኽ መጸግዕየይ፣ ኣምላኸይ ድማ ከውሒ መዕቈብየይ እዩ።
23. ዓገቦም ኣብ ርእሶም ይመልስ፣ ብእከዮም ከኣ ኬጥፍኦም እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኼጥፍኦም እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...