1. አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር።

2. ንእግዚኣብሄርጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ።

3. ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣

4. ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ።

5. ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ

6. ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ።

7. ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ።

8. በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ።

9. ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ

10. እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካንስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ።

11. አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣

12. እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም።

13. ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።

14. ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒከናግፎንስመይ ስለ ዝፈለጦከልዕሎ እየ።

15. ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ።

16. ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦምድሓነይውን ከርእዮ እየ።