1. ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፣ ኵሉ ተአምራትካ ኽነግር እየ።

2. ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፣ ዎ ልዑልንስምካ ኽዝምር እየ።

3. ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱወደቑ፣ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ

4. መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፣ ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ

5. ነህዛብ ገናሕካዮምንረሲኣን ኣጥፋእካዮምስሞም ከኣ ንዘለአለም ደምሰስካዮ

6. ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶምከተማታትሲመዘከርታኤን እኳ ኽሳዕ ዚጠፍእዖንየን

7. እግዚኣብሄር ግና ንዘለአለም ነጊሱ ይነብርዝፋኑ ንፍርዲ ኣዳለዎ

8. ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኺፈርዳንህዝብታትውን ብቕንዕና ኺዳንዮም እዩ።

9. እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።

10. እግዚኣብሄርንዚደልዩኻ ኣይትሐድጎምን ኢኻ እሞ፣ እቶም ንስምካ ዚፈልጡ ኣባኻ ኺምዕቈቡ እዮም።

11-12. እቲ ሕነ ደም ዚፈዲ ዘኪርዎምንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፣ ነቲ ኣብ ጽዮን ዚነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ

13-14. ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርአዮ እሞ፣ ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒደንግጸለይ

15. ኣህዛብ ናብታ ዝዀዐትዋ ጒድጓድ ጸደፉ፣ በቲ ዝሐብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ።

16. እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፣ ጸድቂ ገበረረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሐንኰለ። [ሂጋዮን ሴላ።]

17. ረሲኣንንኣምላኽ ዚርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፣ ናብ ሲኦል እዮም ዚምለሱ

18. ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ፣ ተስፋ መስኪን ንዘለአለም ኣይኪጠፍእን እዩ።

19. እግዚኣብሄርተንስእሰብሲ ኣይበርትዕኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ

20. እግዚኣብሄርፍርሃት ኣውድቐሎምኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደኣ ይፍለጡ። [ሴላ።]