1. ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን።
2. ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።
3. ዑፍ እኳ ቤት ረኸበት፣ ለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ንጉሰይን ኣምላኸይን።
4. አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። [ሴላ።]
5. ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።
6. ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎ፣ ዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ።
7. ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ።
8. ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፣ ጸሎተይ ስማዕ። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፣ ጽን በል
9. ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽ፣ ርኤ፣ ገጽ ቅቡእካውን ጠምት።
10. ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።
11. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።
12. ዎ ጐይታ ሰራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...