1. ጐይታ ሰራዊትማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን።

2. ነፍሰይ ንኣጸድ እግዚኣብሄር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን አላ፣ ነፍሰይን ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።

3. ዑፍ እኳ ቤት ረኸበትለዃዅቶውን ጨጫዊታ እተንብረላ ቤት ረኸበት፣ መሰውኢታትካ፣ ዎ ጐይታ ሰራዊትንጉሰይን ኣምላኸይን

4. አብ ቤትካ ዚነብሩ ብጹኣን እዮም፣ ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ። [ሴላ።]

5. ሓይሎም ብኣኻ ዝዀነ፣ ብልቦም ንመገድኻ ዚሐስቡ ሰባት ብጹኣን እዮም።

6. ብለሰ ብኽያት ኪሐልፉ ኸለዉ፣ ዓይኒ ማያት ይገብርዎዝናም አዝመራውን ብበረኸት ይኸድኖ

7. ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ፣ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቘሙ

8. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊትጸሎተይ ስማዕ። ዎ ኣምላኽ ያእቆብ፣ ጽን በል

9. ኣታ ዋልታና ዝዀንካ ኣምላኽርኤገጽ ቅቡእካውን ጠምት

10. ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ።

11. እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ጸሓይን ዋልታን እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ጸጋን ክብርን ይህብ፣ ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኣይኸልኦምን እዩ።

12. ጐይታ ሰራዊት፣ ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።