1. እግዚኣብሄርጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።

2. ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።

3. ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮምወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ

4. እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧

5. ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ

6. ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ

7. ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓንንእንስሳታት በረኻውን

8. ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን።

9. እግዚኣብሄር ጐይታናስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።