1. ህዝበይንሕገይ ጽን በሎ፣ ኣእዛንካ ናብ ቃላት ኣፈይ ኣድንን

2. ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፣ ናይ ቀደም ምስጢራት እነግር አሎኹ፣

3. እቲ ዝሰምዕናዮን ዝፈለጥናዮንኣቦታትናውን ዘዘንተዉልና

4. ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ

5-8. እቲ ዚመጽእ ወለዶ፣ እቶም ዚውለዱ ደቂ ኺፈልጥዎ፣ ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ንውሉዶም ምእንቲ ኼዘንትውዎስ፣ ተስፋኦም ናብ ኣምላኽ ኪገብሩትእዛዛቱ ኺሕልዉ እምበር፣ ተግባር ኣምላኽ ምእንቲ ኸይርስዑ፣ ከም ኣቦታቶም፣ እቲ ህልኸኛን ዓለወኛን ወለዶ፣ ከምቲ ልቡ ቀጥ ዘይበለመንፈሱውን ናብ ኣምላኽ ዘይተኣመነ ወለዶ ኸይኮኑስ፣ ኣብ ያእቆብ ምስክር ኣጽንዔ፣ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕጊ ኣቘመ፣ እዚውን ንውሉዶም ኬፍልጥዎስነቦታትና ኣዘዞም

9. ውሉድ ኤፍሬምተዋጋእትን ወርወርትንብመዓልቲ ውግእ ንድሕሪት ተመልሱ።

10. ኪዳን ኣምላኽ ኣይሐለዉንብሕጉ ምምልላስ ከኣ ኣበዩ

11. ንግብርታቱን ነቲ ዘርአዮም ተአምራቱን ረስዕዎ

12. ኣብ ቅድሚ ኣቦታቶም ኣብ ምድሪ ግብጺ፣ ኣብ መሮር ጾዓንተአምራት ገበረ

13. ባሕሪ መቒሉ ኣሕለፎምንማይ ከም ኵምሪ ኣቘሞ

14. መዓልቲ ብደበና፣ ምሉእ ለይቲውን ብብርሃን ሓዊ መርሖም

15. ኣብ በረኻ ነኻውሕ ጨደዶ፣ ከም ካብ ዓሚቚ ባሕሪውን ብዙሕ ኣስተዮም

16. ዓይኒ ማያት ካብ ከውሒ ኣውጽኤንማይ ድማ ከም ውሒዝ ኣውሐዞ

17. ግናኸ ኣብ በረኻ ነቲ ልዑል ተሃላሊኾም፣ እናቐጸሉ በደልዎ

18. ንትምኒቶም ዚብላዕ እናደለዩብልቦም ንኣምላኽ ፈተንዎ

19-20. ንሳቶም፣ ኣምላኽሲ ኣብ በረኻ ደዀን መአዲ ኺሰርዕ ይኽእል እዩ፧ እንሆ፣ ማይ ክሳዕ ዚፍልፍል፣ ውሒዝ ክሳዕ ዚውሕዝሲንኸውሒ ወቕዖ፣ ግናኸ እንጌራውን ኪህብ፣ ወይስ ንህዝቡ ስጋ ኺምህዝዶ ይከአሎ እዩ፧ ኢሎም ንኣምላኽ ሐመይዎ

21-22. ብኣምላኽ ኣይአመኑንብምድሓኑውን ኣይተወከሉን እዮም እሞ፣ እግዚኣብሄር እዚ ሰሚዑ ተቘጥዔ፣ ኣብ ያእቆብ ሓዊ ነደደ፣ ኣብ እስራኤልውን ቊጥዓ ወጸ

23. ግናኸ ንሱስ ኣብ ላዕሊ ንደበና ኣዘዞመዓጹ ሰማይ ከኣ ከፊተ

24. ምእንቲ ኺበልዑ ድማ ማና አዝነመሎምእኽሊ ሰማይውን ሀቦም

25. ሰብ ናይ መላእኽቲ እንጌራ በልዔንምሉእ ጽጋብ ዚኸውን ምግቢ ሰደደሎም

26. ንፋስ ምብራቕ ኣብ ሰማይ ኣለዓዐለብስልጣኑ ድማ ንፋስ ደቡብ ኣምጽኤ

27. ስጋ ኣብ ልዕሊኦም ከም ሓመድነፈርቲ ኣዕዋፍውን ከም ሑጻ ባሕሪ አዝነመሎም

28. ኣብ ማእከል ሰፈሮም፣ ኣብ ዙርያ ድንኳኖም ኣውረደሎም

29. በልዑን ኣዝዮም ጸገቡንትምኒቶምውን ሀቦም

30. ትምኒቶም ገና ኸይወድኡ፣ ብልዖምውን ገና ኣብ ኣፎም ከሎ፣

31. መዓት ኣምላኽ ወረዶም፣ ካብ ስቡሓቶም ከኣ ቀተለ፣ ነጕባዝ እስራኤልውን ኣውደቖም

32. ምስናይዚ እዚ ዅሉ መሊሶም በደሉብተኣምራቱ ኸኣ ኣይአመኑን

33. ስለዚ ንመዓልትታቶም ብኸንቱንዓመታቶም ከኣ ብስምባድ ኣሕለፈን

34. ኪቐትሎም ከሎ፣ ሽዑ ይደልይዎ ነበሩ፣ ተመሊሶም ከኣ፣ ኣንጊሆም ንኣምላኽ ደለይዎ

35. ኣምላኽሲ ኸውሖም፣ እቲ ልዑል ኣምላኽውን ተበጃዊኦም ምዃኑ ዘከሩ

36. ብአፎም ኣቃባጠሩሉብመልሓሶም ድማ ሐሰዉሉ

37. ልቦም ናብኡ ኣይቀንዔንብኺዳኑውን እሙናት ኣይነበሩን።

38. ንሱ ግና መሓሪ ዀይኑ፣ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፣ ኣየጥፍኦምን ከኣ፣ ንዅራኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፣ ንዅሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጐሖን

39. ስጋ ምዃኖም፣ ሐሊፉስ ዘይትምለስ ትንፋስ ምዃኖም ዘከረ

40. ክንደይ ሳዕ እዮም ኣብ በረኻ እተጻረርዎ፣ ኣብ ጽምዋውን ዘጕሀይዎ

41. ተመሊሶም ንኣምላኽ ፈተንዎ፣ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ኣቘጥዕዎ

42-43. ንኢዱን ነታ ኻብ ተጻራሪ እተበጀዎም መዓልትንትእምርቱ ኣብ ግብጺ፣ ተአምራቱ ኸኣ ኣብ መሮር ጾዓን ከም ዝገበረ፣ ኣይዘከሩን

44. ምስታይ ምእንቲ ኺስእንዎስ፣ ንርባታቶምን ንፈሳሲ ማዮምን ናብ ደም ለወጦ

45. ዚበልዕዎም ተናኸስቲ ጽንጽያንዜጥፍእኦም ቊርዖባትን ሰደደሎም

46. ብቋልያኦም ንቓቔጣ፣ ፍረ ዕዮኦም ከኣ ነንበጣ ሀቦ

47. ንወይኖም ብበረድንዳዕሮኦም ከኣ በስሓይታ ኣጥፍኦ

48. ከብቶም ንበረድመጓሲኦም ከኣ ንመባርቕ ኣሕሊፉ ሃበን

49. ሓዊ ዅራኡቊጥዓን ሓርቖትን ጸበባን፣ ጭፍራ መላእኽቲ እከይኣውደቐሎም

50. ንዅራኡ መገዲ ጸረገሉ፣ ህይወቶም ንፌራ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ኣይነሐፋን

51. ንብዘሎ በዅሪ ግብጺ ኸኣ፣ ነቶም በዅሪ ሓይሊ፣ ኣብ ድንኳናት ካም ወቕዖም

52. ንህዝቡ ግና ከም ኣባጊዕ ኣንቀሎም፣ ኣብ በረኻውን ከም መጓሰ መርሖም

53. ከይፈርሁስ ብደሓን መርሖምንጸላእቶም ግና ባሕሪ ደፊኖም

54. ናብ ወሰን መቕደሱ፣ ናብታ የማነይቲ ኢዱ ዘጥረየቶ ኸረን ኣብጽሖም

55. ነህዛብ ከኣ ካብ ቅድሚኦም ሰጐጎምርስቲ ኪዀኖም ብዕጻ ኸፈሎምንነገዳት እስራኤል ኣብ ድንኳናቶም ኣሕደሮም

56. ግናኸ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ፈተንዎን ተጻረርዎንምስክራቱውን ኣይሐለዉን

57. ንድሕሪት ተመልሱ፣ ከም ኣቦታቶምውን ጠለሙ፣ ከም ጠላሚ ቐስቲ ተለውዩ

58. ብዀረቢቶም ከኣ አዀረይዎ፣ ብተወቕረ ምስልታቶምውን ኣቕንእዎ

59. ኣምላኽ ድማ ነዚ ሰሚዑ ተቘጥዔንእስራኤልውን ኣዝዩ ነዐቖም

60. ንማሕደሩ ኣብ ሲሎ፣ ነቲ ኣብ ማእከል ሰብ ተኺልዎ ዝነበረ ድንኳን ሐደጎ

61. ሓይሉ ንምርኮክብሩውን ናብ ኢድ ተጻራሪ ሀበ

62. ንህዝቡ ድማ ኣደዳ ሰይፊ ገበሮንርስቱውን ተቘጥዖ

63. ነጕባዞም ሓዊ በልዖምደናግሎም ከኣ ጓይላ መርዓ ኣይረኸባን።

64. ካህናቶም ብሰይፊ ወደቑመበለታቶምውን ኣይበኸያሎምን

65. ሽዑ እግዚኣብሄር ከም ደቂሱ ዝነበረ፣ ከምቲ ብወይኒ ሰኺሩ ዚጭድር ጅግና ዀይኑ ተንስኤ

66. ንጸላእቱ ድማ ኣብ ድሕሪኦም ወቕዖምንዘለአለማዊ ነውሪ ሀቦም

67. ንድንኳን ዮሴፍ ደርበያንነገድ ኤፍሬምውን ኣይሐረዮን

68. ንነገድ ይሁዳ፣ ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ

69. ንቤት መቕደሱ ኸም ኵርባታት፣ ከምታ ንዘለአለም ዝሰረታ ምድሪ ገይሩ፣ ሀነጻ

70. ንዳዊት ባርያኡ ሐርዩ፣ ካብ መጓሴታት ኣባጊዕ ወሰዶ

71. ንህዝቡ ያእቆብን ንርስቱ እስራኤልን ምእንቲ ኺሕሉስ፣ ካብ ሓራሳት ኣባጊዕ ኣምጽኦ

72. ብቕንዕና ልቡ ጓሰዮምበእምሮ ኣእዳዉውን መርሖም