1. ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፣ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል አሎኹ፣ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ።

2. ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፣ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት

3. ንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን አሎኹ፣ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን አሎ።

4. ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፣ እሽገር ምዝራብውን እስእን አሎኹ።

5. ናይ ቀደም መዓልትታት፣ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር አሎኹ።

6. ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን አሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር አሎ፣

7. እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧

8. ጸጋኡስ ንዘለአለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧

9. ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧ [ሴላ።]

10. ኣነ በልኩ፣ እዚ እዩ ድኻመይዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር አሎኹ።

11. ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፣

12. ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።

13. ኣምላኽመገድኻ ብቕድስና እዩ፣ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን አሎ፧

14. ተአምራት እትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ

15. ንህዝብኻንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍንብቕልጽምካ ተበጆኻዮ። [ሴላ።]

16. ኣምላኽማያት ረአዩኻ፣ ማያት ረኣዩኻ፣ ተሸበሩውን፣ እወ፣ መዓሙቚ ተናወጸ

17. ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰጠፈር ድምጹ ኣስምዔፍላጻታትካውን ተወረወረ።

18. ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፣ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን

19. ጐደናኻ ኣብ ባሕሪመገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፣ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን

20. ንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ