1. ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኣልዒለ ኤእዊ፣ ድምጸይ ናብ ኣምላኽ ኤልዕል አሎኹ፣ ንሱውን ይሰምዓኒ እዩ።
2. ብመዓልቲ ጸበባይ ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ብለይቲ ኢደይ ተዘርግሔት ኣይሰልከየትን ከኣ፣ ነፍሰይ ምጽንናዕ ኣበየት።
3. ንኣምላኽ እዝክሮን እቚዝምን አሎኹ፣ ኤስተንትንን መንፈሰይ ከኣ ይሕለልን አሎ።
4. ነዒንተይ ቈላሕላሕ ተብለን፣ እሽገር ምዝራብውን እስእን አሎኹ።
5. ናይ ቀደም መዓልትታት፣ ናይ ጥንቲ ዓመታት እዝክር አሎኹ።
6. ብለይቲ ንበገናይ እሐስብ፣ ምስ ልበይ ኤስተንትን አሎኹ፣ መንፈሰይውን ይምርምር አሎ፣
7. እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለምዶ ይድርቢ፧ ድሕርዚኸ ጸጋኡዶ ኣየርእን እዩ፧
8. ጸጋኡስ ንዘለአለምዶ ፈጺሙ ተወዲኡ፧ ተስፋኡኸ ንውሉድ ወለዶዶ ተሪፉ እዩ፧
9. ኣምላኽሲ ሳህሉዶ ርሲዕዎ፧ ንምሕረቱስ ብዅራዶ ዐጽይዎ እዩ፧ [ሴላ።]
10. ኣነ በልኩ፣ እዚ እዩ ድኻመይ፣ ዓመታት የማነይቲ እቲ ልዑል እዝክር አሎኹ።
11. ናይ ቀደም ተአምራትካ ኽሐስብ እየ እሞ፣ ንግብርታት እግዚኣብሄር ክዝክሮ እየ፣
12. ንብዘሎ ግብርታትካ ድማ ከስተንትኖ፣ ንዕዮኻውን ክምርምሮ እየ።
13. ዎ ኣምላኽ፣ መገድኻ ብቕድስና እዩ፣ ከም ኣምላኽ ዝበለ ዓብዪ ኣምላኽከ መን አሎ፧
14. ተአምራት እትገብር ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፣ ንሓይልኻ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣፍለጥካዮ።
15. ንህዝብኻ፣ ንውሉድ ያእቆብን ዮሴፍን፣ ብቕልጽምካ ተበጆኻዮ። [ሴላ።]
16. ዎ ኣምላኽ፣ ማያት ረአዩኻ፣ ማያት ረኣዩኻ፣ ተሸበሩውን፣ እወ፣ መዓሙቚ ተናወጸ።
17. ደበናታት ብርቱዕ ማያት ኣፍሰሰ፣ ጠፈር ድምጹ ኣስምዔ፣ ፍላጻታትካውን ተወረወረ።
18. ድምጺ ነጐድጓድካ ኣብ ህቦብላ ነበረ፣ መባርቕ ንዓለም ኣብርሃ፣ ምድሪ ተናወጸት ኣንቀጥቀጠትውን።
19. ጐደናኻ ኣብ ባሕሪ፣ መገድታትካ ኣብ ዓበይቲ ማያት እዩ፣ ኣሰርካውን ኣይተፈልጠን።
20. ንህዝብኻ ኸም መጓሰ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ጌርካ መራሕካዮ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...