1. እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ

2. ብጽድቅኻ ኣናግፈንን ባልሃንንእዝንካ ናባይ ኣድንን እሞ ኣድሕነኒ

3. ኵሉ ጊዜ ዝሀድመሉ ኸውሒ መሕደሪ ኹነኒ፣ ከውሔይን እምባይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ንምድሓነይ ኣዘዝካ

4-5. እግዚኣብሄር ኣምላኽተስፋይን ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ እምንቶይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኸይ፣ ካብ ኢድ ረሲእ፣ ካብ ኢድ ዓመጸኛን ገፋዕን ኣናግፈኒ

6. ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ብአኻ ተደገፍኩ፣ ካብ ማሕጸን ወላዲተይ ዝፈላሌኻኒ ንስኻ ኢኻ፣ ምስጋናይ ኵሉ ጊዜ ንአኻ እዩ።

7. ንብዙሓት መስተንከሪ ዀንክዎም፣ ንስኻ ግና ብርቱዕ መዕቈብየይ ኢኻ።

8. አፈይ ብምስጋናኻኵሉ መዓልቲ ብኽብርኻ ምልአዮ

9-11. ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩኣምላኽ ሐዲግዎመናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።

12. ኣምላኽ፣ ካባይ ኣይትርሐቕ፣ ዎ ኣምላኸይንምርዳኤይ ፍጠን

13. እቶም ንነፍሰይ ዚጻረርዋ ይሕፈሩን ይጥፍኡን፣ እቶም ጕድአተይ ዚደልዩውን ነውርን ሓሳርን ይከደኑ

14. ኣነ ግና ኵሉ ጊዜ ተስፋ ኽገብር፣ ንዅሉ ምስጋናኻውን ክውስኸሉ እየ።

15. ቊጽሩ ኣይፈልጦን እየ እሞ፣ ኣፈይ ጸድቅኻን ምድሓንካን ኵሉ መዓልቲ ኼዘንቱ እዩ።

16. ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስልጡን ግብርታት ክነግር፣ ጸድቅኻ፣ ናትካ ጥራይ ክዝክር እየ።

17. ኣምላኽ፣ ካብ ንእስነተይ ጀሚርካ መሀርካኒ፣ ክሳዕ ሕጂውን ተአምራትካ ኣወጅኩ

18. ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ፣ ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ፣ ዎ ኣምላኽብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ

19. ኣምላኽጽድቅኻ ኽሳዕ ላዕሊ ይበጽሕ፣ ኣታ፣ ዓበይቲ ግብርታት ዝገበርካ ኣምላኽ፣ መን ይመዓራረየካ፧

20. ኣታ፣ ብዙሕ ጭንቀትን መከራን ዘርኤኻናመሊስካ ህይወት ክትህበኒ፣ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መዓሙቚ ምድሪ ኸተውጽአኒ ኢኻ።

21. ንዕቤተይ ክትውስኸሉብምጽንናዕ ከኣ ኽትከበኒ ኢኻ።

22. ኣምላኸየ፣ ኣነውን ንኣኻ፣ ንሓቅኻ ብበገና ኸመስግን፣ ኣታ ናይ እስራኤል ቅዱስብመሰንቆ ኽዝምረልካ እየ።

23. ከመስግነካ ኸሎኹ፣ ከናፍረይን እታ ዘድሐንካያ ነፍሰይን እልል ኪብላ እየን።

24. እቶም ጕድአተይ ዚደልዩ ሐፊሮምን ነዊሮምን እዮም እሞ፣ መልሓሰይ ምሉእ መዓልቲ ብዛዕባ ጽድቅኻ ኽትዛረብ እያ።