1. ኣምላኽ ይምሐረና፣ ይባርኸና፣ ገጹ የብርሃልና። [ሴላ።]
2. መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና።
3. ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።
4. ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶም፣ ነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። [ሴላ።]
5. ዎ ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ፣
6. ምድሪ ፍሬኣ ሂባ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።
7. ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...