1. ኣምላኽ ይምሐረናይባርኸናገጹ የብርሃልና። [ሴላ።]

2. መገድኻ ኣብ ምድሪ፣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብውን ምድሓንካ ኺፍለጥሲ፣ ገጽካ ኣብርሃልና።

3. ኣምላኽ፣ ኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ።

4. ንህዝብታት ብቕንዕና ኽትፈርዶምነህዛብውን ኣብ ምድሪ ኽትመርሖም ኢኻ እሞ፣ ህዝብታት ይተሐጐሱን እልል ይበሉን። [ሴላ።]

5. ኣምላኽኣህዛብ የመስግኑኻ፣ ኵሎም ኣህዛብ የመስግኑኻ፣

6. ምድሪ ፍሬኣ ሂባእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።

7. ኣምላኽ ይባርኸና፣ ብዘሎ ወሰናት ምድሪ ኸኣ ይፍርሃዮ