1. ዎ እግዚኣብሄር፣ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፣ ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
2. ዎ እግዚኣብሄር፣ ማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ።
3. ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧
4. ዎ እግዚኣብሄር፣ ተመለስ፣ ንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5. ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧
6. ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፣ ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፣ ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ።
7. ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ አላ።
8. እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ።
9. እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10. ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፣ እምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱ፣ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...