1. እግዚኣብሄርብዅራኻ ኣይትግንሓኒብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ

2. እግዚኣብሄርማህሚነ እየ እሞ፣ ምሐረኒ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፣ ኣጥዕየኒ

3. ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፣ ንስኻኸ፣ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧

4. እግዚኣብሄርተመለስንነፍሰይ ኣናግፋ፣ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ

5. ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፣ ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ

6. ኣነ ብእህህታ ሰልክየለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ አሎኹ።

7. ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፣ ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ አላ።

8. እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፣ ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፣ ካባይ ርሐቑ

9. እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፣ እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።

10. ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩእምብዛ ኺሽበሩ፣ ንድሕሪት ኪምለሱብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።