1. ኣምላኸየ፣ ካብ ጸላእተይ ኣናግፈኒ፣ ካብቶም ዚትንስኡኒ ኣብ እምባ ኣቚመኒ

2. ካብ ገበርቲ እከይ ኣናግፈኒ፣ ካብ ደመኛታትውን ኣድሕነኒ

3. እነዉ፣ ንነፍሰይ ይጻናተውዋ አለዉ እሞ፣ ጐይታየብአበሳይን ሓጢኣተይን ኣይኰኑን ሓያላት ኪቃወሙኒ ሓቢሮም ዘለዉ።

4. ከይበደልኩስ ጐይዮም ይዳለዉክትቅበለኒ ንቓሕ እሞ ርኤ

5. ጐይታይ፣ ኣምላኽ ሰራዊትኣምላኽ እስራኤልንቓሕ እሞ ንዅሎም ኣህዛብ መዓት ኣውርደሎም፣ ካብቶም ጠለምቲ ገበርቲ እከይ ንሓደ እኳ ኣይትምሐር። [ሴላ።]

6. ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ

7. መንከ ዚሰምዕ አሎ፧ እናበሉ፣ እንሆ፣ ኣፎም ይግንፍል፣ ኣብ ከናፍሮም ኣስያፍ አሎ።

8. ግናኸ ጐይታየ፣ ንስኻ ኽትስሕቆም፣ ንዅሎም ኣህዛብ ከተባጭዎም ኢኻ።

9. እምባይ ኣምላኽ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ኣባኻ ኣዕቊበ እኔኹ።

10. ኣምላኸይ ብሳህሉ ይቕበለኒ፣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእተይ ብሓጐስ የርእየኒ

11. ህዝበይ ከይርስዑስ ኣይትቕተሎም። ኣታ ጐይታናዋልታናብሓይልኻ ኣዀብልሎም እሞ ኣውድቆም

12. ቃል ከናፍሮም ሓጢኣት ኣፎም እዩ፣ ስለቲ ዚዛረብዎ መርገምን ሓሶትን ብትዕቢቶም ይተሐንኰሉ

13. ብዅራኻ ኣጥፍኣዮምኣምላኽ ካብ ያእቆብ ጀሚሩ ኽሳዕ ወሰናት ምድሪ ገዛኢ ምዃኑ ኺፈልጡስ፣ ከም ዘይርከቡ ጌርካ ኣጥፍኣዮም። [ሴላ።]

14. ምሸት እናተመልሱ ኸም ኣኽላባት ይነብሑ፣ ኣብ ከተማውን ይዞሩ

15. መብልዕ ደልዮም ይዛውኑከይጸገቡ ኸኣ ይሐድሩ አለዉ።

16. ኣነ ግና ንሓይልኻ እዝምር፣ ንስኻ እምባብመዓልቲ ጸበባውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ እሞ፣ ንሳህልኻ ኣንጊሄ እልል እብል አሎኹ።

17. ኣምላኽሲ እምባይ፣ ኣምላኽ ምሕረተይ እዩ እሞ፣ ኣታ ሓይለይ፣ ንኣኻ ምስጋና እዝምር አሎኹ።