1. ኣምላኽንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሐባእ

2-3. ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፋዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ።

4. ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐትስምባድ ሞትውን ወደቐኒ

5. ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒረዓድውን ኣጐልበበኒ

6. ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ

7. እንሆኣርሒቐ ምሀደምኩ። ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። [ሴላ።]

8. ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ

9. ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየኣጥፍኣዮምመላሕሶም ፈላሊ

10. ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩበደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ።

11. ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን

12. ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ

13. ግናኸ ማዕረይመሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።

14. ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።

15. እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ

16. ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ።

17. ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።

18. ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ

19. ኣይልውጡንንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። [ሴላ።]

20. ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ

21. ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተመሰተ ኣስያፍ እዩ።

22. ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።

23. ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎምደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።