1. ዎ ኣምላኽ፣ ንጸሎተይ ጽን በል፣ ካብ ምህለላይውን ኣይትተሐባእ።
2-3. ኣድህበለይን ምለሰለይን፣ ግፋዒ የውርዱለይ፣ ብዅራ የባርሩኒ አለዉ እሞ፣ ብሰሪ ምጥቃዕ እቲ ረሲእ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸላኢ፣ ብቚዝማይ ህድአት ስኢነ፣ እህህ እብል አሎኹ።
4. ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተጨነቐት፣ ስምባድ ሞትውን ወደቐኒ።
5. ፍርሃትን ምንቅጥቃጥን መጸኒ፣ ረዓድውን ኣጐልበበኒ።
6. ኣየ፣ ከም ርግቢ ኣኽናፍ እንተ ዚህልወንስ፣ ነፊረ ምዐረፍኩ ነይረ፣ በልኩ።
7. እንሆ፣ ኣርሒቐ ምሀደምኩ። ኣብ በረኻውን ምሐደርኩ። [ሴላ።]
8. ካብ ህቦብላን ሸምቦባን ክሀድም፣ ኣብ መዕቈቢ ምቐልጠፍኩ።
9. ዓመጻን ባእስን ኣብታ ኸተማ እርኢ አሎኹ እሞ፣ ጐይታየ፣ ኣጥፍኣዮም፣ መላሕሶም ፈላሊ።
10. ለይትን መዓልትን ኣብ መካበብያታት ይዞሩ፣ በደልን ክፍኣትን ኣብ ውሽጣ አሎ።
11. ሕሰም ኣብ ውሽጣ አሎ፣ ጥቕዓትን ጥልመትን ካብ ኣደባባያ ኣይርሕቕን።
12. ዚጸርፈኒ ጸላእየይ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተዐገስኩ፣ ዚዕበየለይ እቲ ዚጸልኣኒ ኣይኰነን፣ እንተ ዚኸውንሲ ምተሐባእኩ፣
13. ግናኸ ማዕረይ፣ መሓዛይ ፈታውየይውን ዝነበርካ ሰብአይ ንስኻ ኢኻ ዝገበርካዮ።
14. ንሕና ብጥዑም ምኽሪ ሐቢርና ወዐልና፣ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ምስ ኣኼባ ንመላለስ ነበርና።
15. እከይ ኣብ ማሕደሮምን ኣብ ውሽጦምን አሎ እሞ፣ ሞት ብድንገት ይምጽኣዮም፣ ብህይወቶም ከለዉ ናብ ሲኦል ይውረዱ።
16. ኣነ ግና ናብ ኣምላኽ እምህለል አሎኹ፣ ጐይታውን የድሕነኒ እዩ።
17. ምሸትን ብጊሓትን ቀትርን እቚዝም እህህውን እብል አሎኹ፣ ንሱ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ።
18. ዚቃወሙኒ ብዙሓት እዮም እሞ፣ ካብ ውግእ ንነፍሰይ ብሰላም ኣናግፋ።
19. ኣይልውጡን፣ ንኣምላኽ ኣይፈርህዎን እዮም እሞ፣ ካብ ጥንቲ ዚነብር ዘሎ ኣምላኽ ሰሚዑ ኺመልሰሎም እዩ። [ሴላ።]
20. ንሱ ነቶም ምስኡ ብሰላም ዘለዉ ኢዱ ዘርጊሑ ኺዳኑ ኣፍረሰ።
21. ኣፉ ኸም ጠስሚ ልዙብ እዩ፣ ልቡ ግና ውግእ እዩ፣ ቃላቱ ኻብ ዘይቲ ይልእም፣ ግናኸ እተመሰተ ኣስያፍ እዩ።
22. ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፣ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።
23. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ናብ ዓሚቚ ጒድጓድ ተጽድፎም፣ ደመኛታትን ጠበርትን ኣብ ፈረቓ ዕድሚኦም ኣይበጽሑን እዮም። ኣነ ግና ኣባኻ እውከል አሎኹ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...