1. ኣታ ሓያል፣ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር።

2. ኣታ መታለሊመልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ አላ።

3. ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ አሎኻ። [ሴላ።]

4. ኣቲ ሓሳዊት መልሓስቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ ኣሎኺ።

5. ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ፣ ኪሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ኪምንጥለኪ፣ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ። [ሴላ።]

6-7. ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብአይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም።

8. ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል

9. እዚ ስለ ዝገበርካንሓዋሩ ኸመስግነካስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።