1. ኣታ ሓያል፣ ስለምንታይ ብእከይ እትምከሓሉ፧ ጸጋ ኣምላኽ ንሓዋሩ ይነብር።
2. ኣታ መታለሊ፣ መልሓስካ ኸም በሊሕ መላጸ ጥፍኣት ትምህዝ አላ።
3. ካብ ሰናይሲ እከይ፣ ካብ ዘረባ ጽድቂውን ሓሶት ትፈቱ አሎኻ። [ሴላ።]
4. ኣቲ ሓሳዊት መልሓስ፣ ቃላት ጥፍኣት ዘበለ ትፈትዊ ኣሎኺ።
5. ስለዚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ኼጥፍኣኪ እዩ፣ ኪሕዘኪ ኻብ ድንኳንኪውን ኪምንጥለኪ፣ ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ። [ሴላ።]
6-7. ጻድቃን ከኣ ነዚ ርእዮም ይፈርሁ እሞ፣ እንሆ፣ እቲ ብብዝሒ ሃብቱ ተወኪሉስ፣ ብኽፍኣቱ ዝበርትዔ እምበር፣ ንኣምላኽሲ ሓይሉ ዘይገበሮ ሰብአይ እዚ እዩ፣ እናበሉ ኺስሕቅዎ እዮም።
8. ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ከም ልምዕቲ ኣውሊዕ እየ፣ ኣብ ጸጋ ኣምላኽውን ንዘለአለም ኣለም እውከል።
9. እዚ ስለ ዝገበርካ፣ ንሓዋሩ ኸመስግነካ፣ ስምካ ሰናይ እዩ እሞ፣ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳንካ ኽጽበዮ እየ።
Result not found!
No valid results were found for your search. Try refining your search using the above form.
Search again using the above filed or click below button to see Bible book name list...