1. እቲ ስልጡን ኣምላኽእግዚኣብሄርተዛረበ፣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራባ ንምድሪ ጸውዓ

2. ካብ ጽዮን፣ እታ ፍጻሜ መልክዕኣምላኽ ደመቐ

3. ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን፣ ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ አሎ፣ ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ

4-5. ንሱ ንህዝቡ ምእንቲ ኺፈርድሲ፣ ነቶም ብመስዋእቲ ገይሮም ምሳይ ኪዳን ዝአተዉ ቅዱሳነይ አክቡለይ፣ ኢሉ ንሰማያት ኣብ ላዕልን ንምድርን ይጽውዕ አሎ።

6. ኣምላኽሲ ፈራዲ እዩ እሞ፣ ሰማያት ጽድቁ ይነግሩ። [ሴላ።]

7. ኣታ ህዝበይ፣ ኣነ ኽዛረብሲ ስማዕ፣ ኣታ እስራኤል፣ ኣነ ኽምስክር እየ፣ ኣነ ኣምላኽሲኣምላኽካ እየ።

8. ብዛዕባ መስዋእትታትካ ኣይወቕሰካንመስዋእትታት ምሕራርካ ኸኣ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

9-11. ኵሎም እንስሳ በረኻን ኣብ ኣሻሕ ኣኽራን ዘለዋ ኸብትን ናተይ እየን፣ ንዅለን ኣዕዋፍ ኣኽራን እፈልጠን፣ ኣብ ምድሪ ዚዋሳወስ ከኣ ምሳይ እዩ ዘሎ እሞ፣ ኣነ ኻብ ገዛኻ ዝራብዓት፣ ካብ ደምቤኻውን ዲቤላታት ኣይወስድን

12. ምድርን ምልኣታን ናተይ እያ እሞ፣ እንተ ዝጠሚ እኳ ኣይምነገርኩኻን

13. ኣነዶ ስጋ ዝራብዓት እበልዕደም ዲቤላታትሲ እሰቲ እየ፧

14. መስዋእቲ ምስጋና ንኣምላኽ ሰውኣሉመብጽዓኻውን ንልዑል ሀቦ

15. ብመዓልቲ ጸበባ ድማ ጸውዓኒ፣ ኣነ ኸናግፈካ እየ፣ ንስኻውን ከተኽብረኒ ኢኻ።

16-17. ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፣ ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓታተይ እትነግርንኺዳነይውን ብአፍካ እተውስኦ

18. ሰራቒ ምስ ርኤኻ፣ ምስኡ ሐበርካክፍልኻውን ምስ ኣመንዝራታት ነበረ።

19. ኣፍካ ንኽፉእ ፈኖኻዮመልሓስካውን ጥበራ ትፍሕስ

20. ተቐሚጥካ ንሓውካ ትሐምዮንወዲ እኖኻውን ተነውሮ አሎኻ።

21. እዚ እናገበርካስ፣ ኣነ ስቕ በልኩልካ፣ እህ፣ ከማኻ ዝዀንኩ መሲሉካ ኢኻ፣ ግናኸ ኣነ ኽግስጸካ፣ ንሓጢኣትካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ከቚም እየ።

22. ኣቱም ንኣምላኽ እትርስዕዎ፣ ኣነ ኸይሰላልዓኩም እሞ፣ ዜናግፈኩም ከይትስእኑስ፣ ነዚ ኣስተብህልዎ

23. መስዋእቲ ምስጋና ዚስውአለይ የኽብረኒ፣ ነቲ ብመገዱ ዚጥንቀቕ ከኣ ምድሓን ኣምላኽ ከርእዮ እየ።