1. ካብ ልበይ ጽቡቕ ነገር ይግንፍል፣ ድርሳናተይ ንንጉስ እዩ፣ እብልልሳነይ ከም ብርዒ ቕልጡፍ ጸሓፊ እያ።

2. ካብ ደቂ ሰብ ንስኻ ትጽብቕውቃበ ኣብ ከናፍርካ ፈሰሰ፣ ስለዚ ኣምላኽ ንዘለአለም ባረኸካ

3. ኣታ ጅግናሰይፍኻ ኣብ ሕቛኻ ዕጠቕክብርኻን ግርማኻን ልበስ።

4. ምእንቲ ሓቅን ገርህነትን ጽድቅን ብግርማኻ ውጻእየማነይቲ ኢድካውን ዜፍርህ ነገር ክትምህረካ እያ።

5. ፍላጻታትካ በላሕቲ እየን፣ ኣብ ልቢ ጸላእቲ ንጉስ ይአትዋ። ህዝብታት ኣብ ትሕቴኻ ይወድቁ

6. ኣምላኽዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ።

7. ጽድቂ ትፈቱረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ

8. ኣልባስካ ዅሉ ከርበን ዓልወን ዝባድን ይጨኑኣብ ኣደራሻ ስኒ ሓርማዝውን በገናታት ባህ የብለካ አሎ።

9. ኣዋልድ ነገስታት ኣብ ማእከል እተን ክቡራት ኣንስትኻ እየን፣ እታ ንግስቲ ብወርቂ ኦፈር ተሰሊማ፣ ኣብ የማንካ ትቐውም አላ።

10. ጓለየስምዒርአዪውንእዝንኺ ኸኣ ኣድንኒህዝብኻን ቤት ኣቦኽን ረስዒ

11. ንጉስ ንውብነትኪ ይብህጎ፣ ንሱ ጐይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ

12. ጓል ጢሮስን ናይ ህዝቢ ሃብታማትንገጸ በረኸት ሒዞም፣ ሞገስካ ኺደልዩ እዮም።

13. ጓል ንጉስ ኣብ ውሽጢ ዅለንትናኣ ኽብርቲ እያ፣ ክዳውንታ ወርቀዘቦ እዩ።

14. ዝንጒርጒር ክዳን ተኸዲና ናብ ንጉስ ኬእትውዋ፣ ብድሕሪኣ ኣዳኖታታ ደናግል ናባኻ ኺወስድወን እዮም።

15. ብሓጐስን እልልታን ተዐጂበን ኪመጻ፣ ናብ ኣዳራሽ ንጉስ ኪአትዋ እየን።

16. ውሉድካ ኣብ ክንዲ ኣቦታትካ ኪዀኑ፣ ኣብ ብዘላ ምድሪውን መሳፍንቲ ኽትገብሮም ኢኻ።

17. ካብ ወለዶ ንወለዶ ንስምካ ኸዘክሮ እየ፣ ስለዚ ህዝብታት ንዘለአለም ኬመስግኑኻ እዮም።