1. ኣምላኽ እቲ ቐደም ብዘመናቶም ዝገበርካዮ ግብርስ ኣቦታትና አዘንትዮምልናበእዛንና ሰሚዕናዮ

2-3. ብሂግካዮም ነበርካ እሞ፣ ብየማናይ ኢድካን ቅልጽምካን ብብርሃን ገጽካን እዮም እምበር፣ ብሰይፎምሲ ነታ ሃገር ኣይወረስዋንብቕልጽሞምውን ኣይደሐኑን እሞ፣ ነህዛብ ብኢድካ ሰጒግካ ንኣታቶም ተኸልካ ንህዝብታት ኣጥፊእካ፣ ንኣታቶም ኣግፋሕካ

4. ኣምላኽ፣ ንስኻ ንጉሰይ ኢኻ፣ ምድሓን ያእቆብ ኣዝዝ

5-6. ብቐስተይ ኣይኰንኩን ዝውከልሰይፈይውን ኣይኬድሕነንን እዩ እሞ፣ ንተጻረርትና ብኣኻ ኢና እነውድቖም፣ ንተቓወምትናውን ብስምካ ኢና እንረግጾም

7. ካብ ተጻረርትና ዘድሐንካናንጸላእትናውን ዘሕፈርካዮምሲ ንስኻ ኢኻ።

8. ኵሉ መዓልቲ ብኣምላኽ ንሕበንስምካውን ንዘለአለም ነመስግን። [ሴላ።]

9. ሕጂ ግና ደርቢኻና ኣሕፊርካናውን፣ ምስ ሰራዊትና ድማ ኣይትወጽእን አሎኻ።

10. ካብ ተጻራሪ ኣምለስካናጸላእትናውን ዘመቱና

11. ከም ኣባጊዕ ክንብላዕ ኣሕሊፍካ ሀብካና፣ ኣብ ኣህዛብውን ፋሕ ኣበልካና፣

12. ንህዝብኻ ብኸምኡ ሸጥካብዋጋኡ ኣይረባሕካን

13. ንጐረባብትና መጻረፊ፣ ኣብ ዙርያና ንዚነብሩ ኸኣ መባለቲኦምን መላገጺኦምን ገበርካና

14. ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ፣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ርእሶም መነቕነቒ ገበርካና

15-16. ሓሳረይ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ እዩ፣ ብሰሪ ድምጺ እቲ ጸራፍን ሐማይንብሰሪ ጻላእን ፈዳይ ሕነን ሕፍረት ገጸይ ሸፊኑኒ አሎ።

17. እዚ ዅሉ በጽሓና፣ ግናኸ ኣይረሳዕናካንኪዳንካውን ኣይጠለምናን

18-19. ኣብ ቦታ ገበላት ቀጥቂጥካናብጽላሎት ሞትውን ኣጐልቢብካና ኽነስኻስ፣ ልብና ንድሕሪት ኣይተመልሰንስጕምትናውን ካብ መገድኻ ኣየግለሰን

20. ስም ኣምላኽና ረሲዕናኣእዳውና ናብ ጓና ኣምላኽ ዘርጊሕና እንተ ንኸውንሲ፣

21. ኣምላኽ ንምስጢራት ልቢ ይፈልጥ እዩ እሞ፣ ነዚዶ ኣይምመርመሮን ነይሩ፧

22. ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና

23. ጐይታየተበራበር እባ፣ ንምንታይከ ትድቅስ፧ ኤረ ንቓሕንሓዋሩ ኣይትደርብየና

24. ንምንታይከ ገጽካ እትኽውልመከራናን ጸበባናን እትርስዕ

25. ነፍስና ናብ ሓመድ ደኒናስጋና ኣብ ምድሪ ጠቢቑ እዩ እሞ፣

26. ንረዲኤትና ተንስእ፣ ምእንቲ ሳህልኻውን ኣድሕነና