1. ብመልሓሰይ ከይስሕትንመገድታተይ ክጥንቀቐለንረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፣ ንአፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፣ በልኩ

2. ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፣ ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፣ ቃንዛይ ከኣ ገደደ

3. ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነከስተንትን ከልኹ፣ ሓዊ ተቓጸለብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ

4. እግዚኣብሄርከመይ ዝበልኩ ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፣ መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።

5. እንሆ፣ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየንዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፣ ከንቱ ጥራይ እዩ። [ሴላ።]

6. ብሓቂ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፣ እወ ንኸንቱ እዩ ዚህወኽይድልብ፣ ንመን ምዃኑውን ኣይፈልጥን

7. ሕጂኸ እንታይ እጽበ አሎኹ፧ ጐይታየተስፋይ ብኣኻ እዩ።

8. ካብ ኵሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒመላገጽ ዓያሱ አይትግበረኒ

9. ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፣ ስቕ እብል፣ ኣፈይ ኣይከፍትን

10. ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ አሎኹ፣ ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ

11. ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕካዮንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፣ ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ። [ሴላ።]

12. ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፣ ከም ኵሎም ኣቦታተይ ስደተኛ እየ እሞ፣ ዎ ጐይታይጸሎተይ ስማዕእዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፣ ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።

13. ካብዚ ኸይከድኩ፣ ህልውናይ ከይጠፍኤ ኽቐስንሲ፣ ሕደገኒ።