1. ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን።

2. ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲበዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፣

3. ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፣ ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሐዲጉ

4. ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፣ ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውምንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።

5. እግዚኣብሄርሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያትእምንነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ

6. ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፣ ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ። ጐይታየንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።

7. ኣምላኽሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፣ ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ።

8. ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፣ ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም

9. ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፣ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና።

10. ሳህልኻ ነቶም ዚፈልጡኻጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ

11. እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒኢድ ረሲኣን ኣይትስጐጐኒ

12. እንሆ፣ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑተፈገሙኪትንስኡ ኸኣ ኣይኽእሉን እዮም።