1. ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።

2. ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፣ ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም።

3. ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።

4. ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፣ ንሱውን መለሰለይ፣ ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ

5. ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን

6. እዚ መስኪን እዚ ኣእወየእግዚኣብሄርውን ሰምዖ፣ ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ

7. መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።

8. እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፣ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ።

9. ነቶም ዚፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑንእግዚኣብሄር ፍርህዎ

10. ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩንንእግዚኣብሄር ዚደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን

11. ደቀየፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲንዑ ስምዑኒ

12. ህይወት ዚፈቱጽቡቕ መዓልትታት ኪርኢ ዚደሊ ሰብ መን አሎ፧

13. መልሓስካ ኻብ እከይከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሐሉ

14. ካብ እከይ ርሐቕሰናይ ከኣ ግበርንሰላም ድለያ ስዐባውን

15. ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃንኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።

16. ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኼጥፍኦስገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ።

17. ጻድቃን የእውዩእግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም

18. እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም

19. ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ

20. ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄንሓንቲ እኳ ኣይትስበርን

21. ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎንጻድቕ ዚጸልኡ ኸኣ ኪዅነኑ እዮም።

22. እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፣ ካብቶም ኣብኡ ዜዕቊቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።