1. ኣቱም ጻድቃንብእግዚኣብሄር እልል በሉ፣ ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ።

2. ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ

3. ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ

4. ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ።

5. ጽድቅን ፍርድን ይፈቱምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ።

6. ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፣ ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ

7. ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮንመዓሙቚ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ

8-9. ንሱ በለ፣ ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።

10. እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፣ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ።

11. ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለአለም እዩ፣ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም

12. እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

13. እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም

14-15. እቲ ልቢ ዅላቶም ዚሰርሕ፣ ተግባር ኵላቶም ከኣ ዜስተብህልሲ፣ ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ዅሎም ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ።

16. ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንንጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍን

17. ፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፣ ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን

18-19. እንሆ፣ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፣ ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፣ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዚፈርህዎ፣ ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዚገብሩ እያ።

20. ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ።

21. ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቊብና ኢና እሞ፣ ልብና ብእኡ ይሕጐስ አሎ።

22. እግዚኣብሄር፣ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፣ ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።