1. እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ

2. እዝንኻ ናባይ ኣድንንቀልጢፍካ ኣናግፈኒጽኑዕ ከውሒዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ።

3. እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን።

4. ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ

5. ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ፣ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂኣድሒንካኒ ኢኻ።

6. ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዚጽግዑ እጸልኦም እየ፣ ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል

7-8. ንመከራይ ርኢኻዮ፣ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፣ ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሀብካንን፣ ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፣ ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።

9. እግዚኣብሄርጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሐረኒዓይነይነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ

10. ህይወተይ ብጓሂዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፣

11. ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፣ ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፣ ንዚፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፣ እቶም ኣብ ኣደባባይ ዚርእዩኒ ኻባይ ይሀድሙ አለዉ።

12. ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዔ፣ ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ።

13. ሕሜት ብዙሓት ሰሚዔ አሎኹ እሞ፣ ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ አሎ። ንጕድኣተይ ኪመኽሩ ኸለዉ፣ ንህይወተይ ኪነጥቅዋ ጠላለፉ

14. ኣነ ግና፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣባኻ እውከል አሎኹ፣ ኣነስ፣ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፣ በልኩ

15. ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፣ ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ

16. ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮብሳህልኻ ኣድሕነኒ

17. እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ተማህሊለ አሎኹ እሞ፣ ኣይተሕፍረኒረሲኣን ይሕፈሩ፣ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ።

18. እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን ደፊረን ዚዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዐበሳ ደኣ።

19. ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም፣ ነቶም ኣባኻ ዚምሕጸኑ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ።

20. ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፣ ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሐብኦም

21. ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዜደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር ይባረኽ

22. ኣነስ ብስምባደይካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፣ በልኩ፣ ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፣ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ

23. ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፣ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎእግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎምንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ።

24. ኣቱም ብእግዚብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፣ በርትዑልብኹምውን ይጽናዕ