1. [ ዳዊት ካብ ኣበሴሎም ወዱ ኺሀድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር። ] ዎ እግዚኣብሄርጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፣ ኣባይ ዚለዐሉ ብዙሓት እዮም።

2. ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፣ ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን፣ ይብሉ አለዉ። [ሴላ።]

3. እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፣ ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።

4. ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ አሎኹ። ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። [ሴላ።]

5. ተገምሰስኩ ደቀስኩውንእግዚኣብሄር ይድግፈኒ አሎ እሞ ነቓሕኩ

6. ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።

7. ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፣ ዎ እግዚኣብሄርተንስእ፣ ዎ ኣምላኸይኣድሕነኒ

8. ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፣ በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን። [ሴላ።]