1. ኣቱም ውሉድ ብርቱዓትንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሀብዎ

2. ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሀብዎ ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ

3. ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፣ ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ አሎ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።

4. ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣንድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ።

5. ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ

6. ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፣ ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም

7. ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ

8. ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፣ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ።

9. ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደንንዱር የርግፎ፣ ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፣ ክብሪይብል አሎ።

10. እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፣ ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለአለም ነጊሱ ኪቕመጥ እዩ።

11. እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፣ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ