1. እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህእግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ

2. ገበርቲ እከይ ንስጋይ ኪውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፣ ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ

3. ኪቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዚሰፍርልበይ ኣይፈርህን እዩ፣ ኵናትውን እንተ ዚለዐለኒእምነት አሎኒ።

4-5. ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኺሐብኣኒ፣ ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ኪኽውለኒ፣ ኣብ ከውሒ ልዕል ኬብለኒ እዩ እሞ፣ ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ። ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይመቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ።

6. ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዚኸቡኒ ጸላእተይ ልዕል ኪብል እዩ፣ ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ።

7. እግዚኣብሄርንድምጸይ ስምዓዮ፣ ኣባኻ እምህለል አሎኹ፣ ምሐረኒ እሞ ምለሰለይ

8. ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፣ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ አሎ። ዎ እግዚኣብሄርንገጽካ እደልዮ እኔኹ።

9. ገጽካ ኣይትሕብኣለይንባርያኻ ብቚጥዓ ኣይትደርብዮ፣ ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፣ ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይኣይትጠንጥነኒኣይትሕደገኒ

10. ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒእግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።

11. እግዚኣብሄርመገድኻ ምሀረኒ፣ ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ

12. ሐሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዜተንፍሱን ሰባት ተላዒሎም እዮም እሞ፣ ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ

13. አየ፣ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን ከም ዝርአዮ እንተ ዘይአምንሲ

14. ብእግዚኣብሄር ተሰፎበርትዕልብኻ ቀጥ ይበል፣ ኣጆኻ፣ እወ፣ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።