1. ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ

2. ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፣ ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ

3. ዘረባ የልቦን፣ ምዝርራብ የልቦን፣ ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።

4. ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ አሎ፣ ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም

5. ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ ትወጽእ፣ ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ አላ።

6. ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፣ ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፣ ካብ ረስና ዚኽወል ከኣ የልቦን።

7. ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፣ ንነፍሲ ይመልሳምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፣ ንገርሂ የጥብቦ

8. ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፣ ንልቢ የሐጕሶትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ነዒንቲ የብርሄን

9. ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፣ ንዘለአለም ይነብርፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፣ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።

10. ካብ ወርቂ፣ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፣ ካብ መዓር፣ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ።

11. ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ አሎ።

12. ንጌጋታቱ ዚፈልጥ መን እዩ፧ ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ

13. ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሐልዎ፣ ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፣ ሽዑ ምሉእ ክኸውን፣ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ።

14. እግዚኣብሄርከውሔይን መድሓንየይንቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።