1. እግዚኣብሄር ሓይለይኤፍቅረካ እየ።

2. እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይዕርደይመናገፍየይኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይዋልታይቀርኒ ምድሓነይ፣ ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።

3. ናብቲ ሞሳ ዚግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፣ ካብ ጸላእተይ ደሐንኩ

4. መአሰር ሞት ከቢቡኒወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ

5. መአሰር ሲኦል ከቢቡኒመፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ።

6. ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፣ ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሔ

7. ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፣ መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፣ ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፣ ኣንቀጥቀጡ

8. ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸጓህሪ ኻብኡ መጸ።

9. ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፣ ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ

10. ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፣ ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ

11. ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ

12. ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን በረድን ጓህሪ ሓውን ሐለፈ

13. እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ። እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዔ

14. ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፣ መባርቅ ኣብዚሑ ኣህደሞም

15. ብተግሳጽካ፣ ዎ እግዚኣብሄርብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ መዓሙቚ ማያት ተራእዩ እሞ፣ መሰረታት ዓለም ተቐልዔ

16. ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሐዘኒስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ።

17. እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዚጸልኡንንሐይሎሙኒ ነበሩ እሞ፣ ካብኦም ኣናገፈኒ

18. ብመዓልቲ መከራይ ሐደጋ ወደቑኒእግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ።

19. ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽአኒብሂጉኒ እዩ እሞ፣ ኣናገፈኒ

20-22. ንመገድታት እግዚኣብሄር ሐሊወየን፣ ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሐቕኩን፣ ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፣ ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈሌኽዎን እሞ፣ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፣ ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።

23. ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ተሐልየ

24. ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፣ ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ

25-27. ንስኻ ነቲ ዚስቀ ሰብ ተድሕኖንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፣ ምስቲ ሄርሲ ሄር፣ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፣ ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፣ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።

28. ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።

29. ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፣ ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ

30. መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፣ ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዔ እዩ፣ ነቶም ብእኡ ዚውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።

31. ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧ ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ

32. እቲ ሓይሊ ዜዕጥቐኒንመገደይ ከኣ ዜቕንዓ ኣምላኽ

33. ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዚገብረን፣ ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዜቚመኒ፣

34. ንሱ ነእዳወይ ውግእንቐላጽመይ ድማ ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ።

35. ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒየማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ

36. ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፣ ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።

37. ንጸላእተይ ሰጒጐዮምን ኣርኪበዮምንከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን

38. ወቒዔዮምሲ ኺትንስኡ ኣይተኻእሎምን፣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም

39. ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፣ ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም

40. ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒንዚጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም

41. ኣእውዮምሲ ዜድሕኖም ኣይነበረን፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፣ ኣይመለሰሎምን

42. ከምቲ ንንፋስ ዚውፈ ሓመድ ደቚሰዮም፣ ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም

43. ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ

44. ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፣ ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ

45. ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮምእናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም።

46. እግዚኣብሄር ህያው እዩ፣ ከውሔይ ብሩኽ ይኹን፣ ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል።

47. እቲ ሕነ ዚፈድየለይነህዛብውን ዜግዝአለይ

48. ካብ ጸላእተይ ዜውዕለንስ ኣምላኽ እዩ። እወ፣ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፣ ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትበልሃኒ ንስኻ ኢኻ።

49. ስለዚ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካንስምካውን ክዝምረሉ እየ።

50. ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፣ ንቕቡኡንዳዊትንዘርኡ ኸኣ ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም