1. ኣምላኽ፣ ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ሓልወኒ

2. ንእግዚኣብሄር፣ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፣ ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፣ ኢለዮ

3. ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፣ ንሳቶም ክቡራን እዮም፣ ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፣ በልኩ።

4. ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዚጐዩ ኺበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእንንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።

5. እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋኤይን እዩ፣ ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ።

6. ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።

7. ነቲ ዚምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ አሎኹ፣ ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን።

8. ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮብየማነይ ስለ ዝዀነ፣ ኣይክናወጽን እየ።

9-10. ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋንቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስክብረይ እልል ይብልስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።

11. ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፣ ኣብ የማናይካውን ንዘለአለም ብጽእና አሎ።